ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital Welcome to Ge'ez primary hospital,
💊We provide expert care, advanced treatments & 24/7 emergency services.

Compassion, innovation & excellence in healthcare.📍 Axum , infront of telecom
📞 +251920008338 / +251962333388

ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን! 👔🖥️    🌟 Happy Workdays!!📝 ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ኩሎም ግልጋሎታት ሕክምና ዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ሓካይም ዝሓዘ እንትኸውን ናይ ዘበኑ ዝጠልቦም...
08/12/2025

ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን! 👔🖥️
🌟 Happy Workdays!!

📝 ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ኩሎም ግልጋሎታት ሕክምና ዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ሓካይም ዝሓዘ እንትኸውን ናይ ዘበኑ ዝጠልቦም መሳርሕታት ሕክምና ተሓጊዙ ጠለብ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምዕጋብ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ሆስፒታል እዩ።

✅ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ!

👉 ጥዕናኹም ቐዳምነትና!
Your health,Our priority!

=========================================

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇
➤telegram (https://t.me/Geezhospital)
➤facebook (https://www.facebook.com/profile.php?id=61572930304902)
➤Instagram ( https://www.instagram.com/geez_hospital1?igsh=YzljYTk1ODg3Zg==)
➤WhatsApp ( https://chat.whatsapp.com/Cw65rKZmeKE6bblIMWbqlD) ይከታተሉና።

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

l⚕️ ምውጋድ ኩላሊት ፀፀር📌 ሓደ ተሓካማይ ንብዙሕ ዓመታት የማናይ ጎኑ ብሕማም እነዳተሰሳቀየ ድሕሪ ምፅናሕ  ናብ ሆስፒታልና ሆስፒታል ግዕዝ ድሕሪ ምምፃእ ብዝተገበረሉ ናይ ላብራቶሪን ሲቲ ...
05/12/2025

l⚕️ ምውጋድ ኩላሊት ፀፀር

📌 ሓደ ተሓካማይ ንብዙሕ ዓመታት የማናይ ጎኑ ብሕማም እነዳተሰሳቀየ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ሆስፒታልና ሆስፒታል ግዕዝ ድሕሪ ምምፃእ ብዝተገበረሉ ናይ ላብራቶሪን ሲቲ ስካኒን(CT scan) ምርመራ ኣብ የማናይ ኩሊቱ ብዚሕ ዝበሉ ፀፀራት ከም ዘለውዎ ተነግርዎ።

👉 ነዙይ ዲማ ብዶክተር ስሙኦን ዝተመርሐ ዕውት መጥባሕቲ ተገይርሉ ሒዚ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ይርከብ።

📌 ሆስፒታል ግዕዝ ግልጋሎት ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ብዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ።

✅ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospitaltal
=====================================

ይርከቡና
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

03/12/2025

ዜና ካብ ግዕዝ ሆስፒታል
********~~~~~********
ግዕዝ ሆስፒታል፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ፍሉይ ናይ ናፃ ሕክምናዊ ግልጋሎት ብዓወት ኣገባብ ኣሳሊጡ!
ግዕዝ ሆስፒታልና፡ ካብ ዕለት 17/03/2018 - 19/03/2018 ኣ.ግ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ናፃ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዓወት ከምዝዛዘመ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ። እዚ ፍሉይ ተበግሶ'ዚ፡ ንብዙሓት ኣባላት ሕብረተሰብና ናብ ፍሉይ ክኢላታት ዝኾኑ ሓካይምናን በዓል ሞያ ሕክምናናን ብቐሊሉ ንኽግልገሉን ብቕዓት ዘለዎ ክንክን ንኽረኽቡን ዓብዪ ባይታ ከም ዝፈጠረሎም ግልጋሎት ዝረኸቡ ተሓከምቲ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዝተዋህበ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት፡ ሓካይም ንሕሙማት ልቢ ዝምልከት ናይ ልቢ መርመራን ሕክምናን (ካርዲዮሎጅስት)፡ ንነርቪን ዓንዲ ሑቐን ዝምልከት መርመራን ሕክምናን ብንዩውሮሎጂስት፡ ከምኡ'ዉን ንስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘጠቓለለ ምንባሩ ድማ ፍሉይ ዕግበት ተሰሚዑና ኢሎም። እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ተገልገልቲ ሕሙማትና፡ በቲ ዝረኸብዎ ብሉጽ ክንክንን ኣገልግሎትን ምሉእ ዕግበትን ኣድናቖትን ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ምስክርነታቶም ሂቦም። እዚ ድማ ንዓና ዓብዪ ምትብባዕን ምትእምማንን እዩ።

እዚ ግዕዝ ሆስፒታልና ዘካየዶ ሰናይ ተግባር፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብቑጠባዊ ጸገም ወይ ድማ ብርሕቀት ቦታ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ብሉጽን ዘድሕንን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ኣኽኢሉዎም። እዚ ድማ ንጥዕና ሕብረተሰብና ንምዕባይን፡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንኹሉ ብማዕርነት ንምብጻሕን ዘለና ጽኑዕ ቁርጸኝነትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዘርኢ ተግባርና እዩ።

ኣብ ግዕዝ ሆስፒታል፡ ንሕብረተሰብና ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ቃልና ብተግባር ከነርኢ ክንቕፅል ኢና። ነዚ ሰናይ ተግባርና ንምዕዋት ዝሓገዝኩም ኩሉኹም፡ ኣብዚ ናፃ ወፍሪ ዝተዋፈርኩም ኩሉኹም ሰራሕተኛታትናን ብቑዕ ኣገልግሎት ዝሃብኩም በዓል ሞያ ሕክምናን፡ ኩሉኹም ተጠቀምትን ካልኦት ምትሕግጋዝ ዝገበርኩም ኣካላትን ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።
ግዕዝ ሆስፒታል ብሓልዮትና ንምረፅ፣ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!
ኣድራሻና:-
*ቆጸራ ንምሓዝ፣ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለዉና።
*ብተሌፎን: ናብ ማእከል ግልጋግሎት 0920008338 ወይ 0962333388 ደዊልኩም ቆጸራ ከተትሕዙ ትኽእሉ።
*መርበብ ሓበሬታ (Website): ነhttps://sites.google.com/view/geezhospital/home?pli=1
ብኣካል ናብ ሆስፒታልና ኣብ ዝርከብ ቦታ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ
https://maps.app.goo.gl qozfbFRfbjKzPwUYA ንብምምፃእ ቆጸራ ከተትሕዙ ትኽእሉ።
*መርበብ ሓበሬታ (Website): ነhttps://sites.google.com/view/geezhospital/home?pli=1

ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

01/12/2025

ሪኢቶታት ካብ ልቢ ህዝቢ፡ ብዛዕባ ናይ ግዕዝ ሆስፒታል ናይ ናፃ ሕክምናዊ ግልጋሎት።

ኮስሙና!⛪ እንኳዕ ንብዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና!🛐 ይርከቡና!➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 🌿⏩+2...
30/11/2025

ኮስሙና!
⛪ እንኳዕ ንብዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና!🛐

ይርከቡና!

➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

ኮስሙና!🌟 እንኳዕ ንብዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና!ይርከቡና!➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 🌿⏩+251...
29/11/2025

ኮስሙና!
🌟 እንኳዕ ንብዓል ሕዳር ፅዮን ብሰላም ኣብፀሐኩም አብፀሐና!

ይርከቡና!

➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

🏥ሆስፒታል ግዕዝ ዘመኑ ዘፍረዮም መሳርሕታት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተመሃሩ ብሞየኦም ህቡባት ዝኾኑ ስፔሻሊስትን ፍሉይ ስፔሻሊስት ሓኻይምን ብምውናን ፦✅ምርመራን ሕክምናን ልቢ ብል...
24/11/2025

🏥ሆስፒታል ግዕዝ ዘመኑ ዘፍረዮም መሳርሕታት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተመሃሩ ብሞየኦም ህቡባት ዝኾኑ ስፔሻሊስትን ፍሉይ ስፔሻሊስት ሓኻይምን ብምውናን ፦

✅ምርመራን ሕክምናን ልቢ ብልቢ ሕክምና ስፔሻሊስት ሓካይም
✅ምርመራን ሕክምናን ዓንዲሑቀን ነርቭን
✅ኩሎም ዓይነት ቀለልትን ከበድትን መጥባሕቲ
✅ሕክምና ማህፀንን ክትትል ፅንስን ወሊድ
✅ሕክምና ቆርበትን ስነ-ፅባቀን
⚪ ምውጋድ በሰላን ውቃጦን
⚪ ምውጋድ ፈፀጋን ካልኦት ሕበጣትን
⚪ ምውጋድ ማድያት
⚪ ምምላስ ሕብሪ ቆርበትን ካልኦትን
✅ሙሉእ ሕክምናን ክትትልን ስኒ🦷
✅ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ👁️

📌ብተወሳኺ
🔹ኣዝዮም ዘበነዎት መሳርሕታት ሕክምና
🔴ሲቲ ስካን / 64 slices CT- Scan🛏️
🔴ዘመናዊ ኣልትራሳውንድ3D doppler ultrasound🤰
🔴ጎሮሮ፣እዝኒ፣ኣፍንጫ ነፂሩ ዘርእይ ኢንዶስኮፒ ማሽን🩺
🔴ዘመናዊ ራጂ / Modern X-ray🩻
🔹ዝተማልአ ግልጋሎት ላቦራቶሪ
🔹ምስ ዝተማልአ ኣቅርቦት ኣፋዉስን
🔹24፡00 ሰዓት ግልጋሎት ኣምቡላንስን እናሃበ ይርከብ።

🎯 ልቢ ይበሉ ፦ ኩሎም ሕክምናዊ ግልጋሎታት ብስፔሻሊስትን ፍሉያት ስፔሻሊስትን ሓኻይም ይወሃቡ!

🔍ይርከቡና
📍ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

📍ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
📞+251920008338 ወይ ድማ 📞+251962333388 ይደውሉ።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
✨ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

⚠️ ሓበሬታ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና፡ "ናይ ዝሞቱ ኣስከሬን ንቤተሰብ ኣይወሃብን" ተባሂሉ !!√√~~~√√~~~√√~~~√√~~~√√~~~√√√~~~√√ብቫይረስ ማርበርግ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት፡ አስ...
21/11/2025

⚠️ ሓበሬታ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና፡ "ናይ ዝሞቱ ኣስከሬን ንቤተሰብ ኣይወሃብን" ተባሂሉ !!
√√~~~√√~~~√√~~~√√~~~√√~~~√√√~~~√√

ብቫይረስ ማርበርግ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት፡ አስከሬኖም ንቤተሰቦም ኣይወሃብን ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ጥዕና ኢንስቲትዩትን፡ ለበዳ እቲ ሕማም ንምግታእ ጽንዕ ዝበሉ ሕግጋት ኣውጺኦም ኣለዉ። እዚ ንስኻትኩም ክትፈልጥዎ ዝግባእ ቀንዲ መምርሒታት ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ።

ሓሙሽተ ቀንዲ ሕግታት ኣመሓዳድራ ኣስከሬን ማርበርግ

፩\ ኣስከሬን ናይቶም ብቫይረስ ማርበርግ ዝተለከሙ ሰባት፡ ፈጺሙ ንቤተሰቦም ኣይወሃብን።

፪\ እቲ ኣስከሬን ንምሕጻብ ወይ ንምግናዝ ፈጺሙ ኣይፍቀድን።

፫\ ቀብሪ እቲ ኣስከሬን፡ ብኣብያተ ምኽሪ ጥዕና ክትትል ብዝግበረሉን ብጥቡቕ መገዲ ጥራሕ ይስራዕን ይትግበርን።

፬\ እቲ ቀብሪ ዝተፈጸመሉ ቦታ ተወሳኺ ለበዳ ሕማም ንኸየስዕብ፡ ብጥንቃቐ ይመሓደርን ይሕሎን።

፭\ ማሕበረሰብ፡ ናይቲ ሕማም ኣሰካፊነት ተረዲኡ፡ ነዚ ዘጸግም ውሳነ ክቕበልን ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ክተሓባበርን ጻውዒት ቀሪቡ።

> 👉 እዚ መምርሒታት እቲ ሕማም ብቐሊሉ ናይ ምስፍሕፋሕ ጸገም ንምግታእ ዝወጸ ወሳኒ ስጉምቲ እዩ።

ግና ?

ቫይረስ ማርበርግ (Marburg Virus) ኣዝዩ ሓደገኛን ተላባድን ሕማም ኮይኑ፡ ምስ ቫይረስ ኢቦላ ዝተኣሳሰር እዩ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአ ሕማም ኮይኑ ልዑል መጠን ሞት (Fatality Rate) ዘመዝግብ ኽፉእ ሕማም እዩ።

🦠 ቫይረስ ማርበርግ (Marburg Virus Disease - ሓደ ናይ ቫይራል ሄሞራጂክ ፊቨር** (Viral Hemorrhagic Fever) ዓይነት ሕማም እዩ። ማለት፡ ብቫይረስ ዝመጽእ ልዑል ረስንን ደም ምፍሳስን ዘስዕብ ሕማም ማለት እዩ።

መበቆሉ ፦ ቫይረሱ መጀመርታ ብ1967 ኣ.ኣ. ኣብ ከተማታት ማርበርግን ፍራንክፈርት (ጀርመን) ከምኡውን ኣብ ቤልግሬድ (ሰርቢያ) እዩ ለበዳ ኾይኑ ተለልዩ። እቲ ለበዳ ካብ ዩጋንዳ ብዝመጹ ኣፍሪቃውያን ኣንጭዋታት (African Green Monkeys) እዩ ተበጊሱ ይብሉ።

ምልክታቱ ፦ እቲ ሕማም ብሓፈሻ ኣብ መንጎ 2 ክሳብ 9 መዓልቲ ካብ ዝተለከምካ ንደሓር ምርኣይ ይጅምር። ድሕሪኡ እቲ ሕማም ብቕጽበት ይጅምር፡
£ ቀዳማይ ምልክታት (Early Stage):**
√ ልዑል ረስኒ (High Fever)
√ ቁሪ ቁሪ ምባል (Chills)
√ ጽኑዕ ርእሲ-ሕማም (Severe Headache)
√ ቃንዛ ኣብ ኣካላት መጋጥምን ጭዋዳታትን (Muscle and Joint Pain)

£ ድሕሪ 3 መዓልቲ ዝቕጽል ምልክታት (Later Stage)
√ ተምላስ (Vomiting)
√ ውጽኣት (Diarrhea)
√ ሕማም ከብዲ (Stomach pain)
√ ኣብ ደረትን ሕቘን ዝርአ ሽፍታ (Rash)
√ ካብ ኣፍንጫ፣ ኣፍን ኣዒንትን ከምኡውን ካብ ቆርበት ደም ምፍሳስ።

£ መመሓላለፊ መንገዲታቱ ፦ ምንጪ: እቲ ቫይረስ ብተፈጥሮኡ ኣብ ኣፍሪቃውያን ዒፍ-ለይቲታ (Fruit Bats) ይርከብ። እዘን ዒፍ-ለይቲ ኣብ በዓልቲታትን ኣብ ከባቢ መዓድናት ቦታታትን ስለ ዝነብራ፡ ንሰባት ካብኡ ይተሓላለፍ።
ናብ ሰባት ካብ ዝሓመመ ወይ ዝሞተ ሰብ፡ ብቀጥታዊ ንኽክእ ምስ ደሙ፡ ሽንቱ፡ ንብዓቱ፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ፈሳሲታት ኣካላቱ ይመሓላለፍ።

ብቁሳቑስ 'ውን ይመሓላለፍ፤ ከም ክዳውንቲ/ኣንሶላ፣ መርፍን ካልኦትን ብምንኽኻ ይመሓላለፍ።

✅ ዘሐጉስ ብስራት ካብ ሆስፒታል ግዕዝ🎯 አብ ሆስፒታል ግዕዝ ዝተማልአ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ከም ዝጀመርና ክንብስር ንፈቱ!👁️ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ግዕዝ ብዘመኑ ዝጠልቦም ማሽናት ...
20/11/2025

✅ ዘሐጉስ ብስራት ካብ ሆስፒታል ግዕዝ

🎯 አብ ሆስፒታል ግዕዝ ዝተማልአ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ከም ዝጀመርና ክንብስር ንፈቱ!

👁️ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ግዕዝ ብዘመኑ ዝጠልቦም ማሽናት ብምትእትታውን ብልዕል ልምዲ ዘለዎም ስፔሻሊስት ዓይኒ ሓካይም ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ይርከቡና!

➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌾መባእታዊ ሆስፒታል ግዕዝ / Ge'ez Primary Hospital

🌟 ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን!እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇➤telegram (https://t.me/Geezhospital)➤facebook (https://www.facebook.com/pr...
17/11/2025

🌟 ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇
➤telegram (https://t.me/Geezhospital)
➤facebook (https://www.facebook.com/profile.php?id=61572930304902)
➤Instagram ( https://www.instagram.com/geez_hospital1?igsh=YzljYTk1ODg3Zg==)
➤WhatsApp ( https://chat.whatsapp.com/Cw65rKZmeKE6bblIMWbqlD) ይከታተሉና።

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

ኣገዳሲ እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ሚኒስተር ጥዕና!ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ  03 ሕዳር 2018  ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ህፁፅ ሓበሬታ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ (Hemirrhagic Fev...
13/11/2025

ኣገዳሲ እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ሚኒስተር ጥዕና!

ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ 03 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ህፁፅ ሓበሬታ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ (Hemirrhagic Fever) ሄሞራጂክ ፌቨር እንታይነቱ ንምፍላጥ ፃዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ሕማም ከምተኸሰተ ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣመላኺቱ ኣሎ።

ክሳዕ ሐዚ ሸሞንተ(8) ሰባት በቲ ሕማም ተጠርጢሮም ኣለው።
ብምዃኑ ድማ ሚኒስተር ጥዕና ምስ ኢኒስቲትዮት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልን ብሓባር መንቀሊ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ተወሳኺ ምልባዕ ንምዕጋትን ከይተስፋሕፈሐ ንምቁፅፃርን ህፁፅ መልሲ ወሃቢ ግብሪ ሓይሊ ናፍቲ ቦታ ልኢኹ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ገምጋምን ምርመራ ላብራቶሪን እናገበረ ይርከብ።

ብተወሳኺ ድማ ናይ ማሕበረሰብ ዳህሳስ፣ምፍላይ ንኽክእ፣ምፍላይ ገዛ ንገዛ ከምኡ እውን ግልጋሎት ሕክምና እናጠናኸረ ይርከብ።

ስለ ዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም መድረግቲ ኣካላትን ሚኒስተር ጥዕና ተወሳኺ መብርሂ ክሳዕ ዝህብ ንምክልኻል እዞም ዝስዕቡ ምኽርታትን ክትግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታትን ከምዝስዕብ ይሕብር።

* ብኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ክፍሊ ኣካላትን ምፍሳስ ደም ፣ዋዒ ፣ተቕማጥን ተምላስን እንትረአ ብእዋኑ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድን ምርመራ ላብራቶሪ ምግባርን።

*ምልክት ኣብ እተርኣየሉ ዝኾነ ሰብ ዘይምንኽኻእን እንትነኽኡ ቅድሚ ምንካእ መከላኸሊ ሜላታት ምጥቃም።

* ኩሉ ግዘ ኢድካ ብሳይኒታይዘር ወይ ብማይን ሳሙናን ተሓፂብካ ምፅራይ።

* ዝኾነ ትካል ጥዕና ኣብ ምምማይን ምፍላይን ሕሙሟት ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ናይ ቫይራል ሄሞሬጂክ ፌቨር(Viral Hemmoragic Fever) ዝመስል ሕማም ምፍላይ፣ምምርማር፣ ምሕካምን ፀብፃብ ምልኣኽን የድሊ።

‎☎️ ንሓፈሻዊ ሓበሬታን
ንዝኾነ ይኹን ምስ ጥዕና ዝተትሓሓዙ ለበዳታትን ፍልይ ዝበሉ ተርእዮታትን ኣብ ከባቢኹም እንተጋጥም በዚ ነፃ መስመር ስልኪ 6244 ፣8335፣952 ሓበሬታ ምሃብን ሞያዊ ግልጋሎት ምኽሪ ምርካብን ይከኣል ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
03 ሕዳር 2018 ዓ/ም
መቐለ

ንዝበለፀ ሓበሬታ በዚ ትሕት ኢሉ ዘሎ ኣድራሻ ይርከቡና።

➸ኣድራሻና፣ ከተማ ኣኽሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ።
ቁ.ስልኪ፦
🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!
ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ሆስፒታል ግዕዝ  ን4ይ ጉባኤ ማሕበር ሰብ-ሙያ ጥዕና ትግራይ ብብርኪ ተራ ስፖንሰር ብምግባሩ ምስክር ወረቐት ተበርኪቱሉ።
13/11/2025

ሆስፒታል ግዕዝ ን4ይ ጉባኤ ማሕበር ሰብ-ሙያ ጥዕና ትግራይ ብብርኪ ተራ ስፖንሰር ብምግባሩ ምስክር ወረቐት ተበርኪቱሉ።

Address

Axum , Tigray
Axum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category