01/01/2023
ሰላም! 👋👋
🎇ዓመተ 2022፣ እንሆ ከም ኩለን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት፣ ካብ'ታ ዝወሓደት ንእስቲ ካልኢት ክሳብ ኣዋርሓ ጸንቂቃ፣ በዛ ሓዳሽ ዓመት ተተኪኣ ኣላ! 🆕
🤔ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኩምራ መብጽዓታት ወይ መደባት ምስራዕ ኣብዝሓ ሰብ ዝገብሮ ልሙድ ተርእቶ እዩ🤫! ሓደ ሓደ እዋን፣ እቶም እንሰርዖም መደባት፡ ካብ ምብዝሖምን፣ ውርጹጻት ዘይምኻኖምን ዝተላዕለ፣ ምስታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሓዳስ ዓመት እዮም ዝዓርቡ🫣። ስለዚ እንቅይሶም መደባት፣ ምስ ክውኑነት ዝሳነዩን ውርጹጻትን ምስዝኾኑ፡ ናይ ምትግባሮም ዕድላት ርሒብ ይኸውን'ሞ፣ ውጽኢታዊያን ድማ ይኾኑ!
ናይ ሎሚ ትሕዝቶ እምበኣር፣ብምክንያት እዛ ዝተቀበልናያ ሓዳስ ዓመት 🧨2️⃣0️⃣2️⃣3️⃣🧨፣ ኣብ ተግባራውነት ናይ እንሰርዖም መደባትና ክሕግዙና ዝኽእሉ ሓሙሽተ ጠርነፍቲ ሓሳባት እዮም ኽኾኑ፡ኣብ ልቢ ኩላትና ዝሓድር ይግበሮ እናበልኩ፣ ናብ'ቲ ትሕዝቶ ከብለኩም!!
#ግዜ🕛፣ ዝጠፍኤ ግዜ መላሲ ስለዘይብሉ!!
#ጥዕና🩺፣ ኩለንትናዊ ጥዕና መሰረት ናይ ኩሎም ከነዐውቶም እንትልም መደባት ስለዝኾነ!!
#ጸዓት🔥፣ ጸዓትና ምስ ብሉጻት ሰባትን ኣብ ብሉጽ ዕላማን ከነባኽኖ ይግባእ!!
#ገንዘብ💰፣ ግዜና ሰዊእና ዝረከብናዮ ገንዘብ፣ ንምጥፍኡ ደቃይቕ ውን እኩላት ስለዝኾና
#ስሚዒታት🤯፣ ኣተሓሳስባና ብምቁጽጻር፡ ዋናታት ስምዒታትና ንምዃን ስለዘኽእለና
❤️ ዓመተ ጥዕና ❤️
ዶር. ዮሴፍ የማነ
ጥሪ 1, 2023.