Dr. Yosief Yemane

Dr. Yosief Yemane ፍልጠት ኩሉ'ዩ፡ ወላ ውን ጥዕና!!

ሰላም! 👋👋🎇ዓመተ 2022፣ እንሆ ከም ኩለን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት፣ ካብ'ታ ዝወሓደት ንእስቲ ካልኢት ክሳብ ኣዋርሓ ጸንቂቃ፣ በዛ ሓዳሽ ዓመት ተተኪኣ ኣላ! 🆕🤔ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኩም...
01/01/2023

ሰላም! 👋👋

🎇ዓመተ 2022፣ እንሆ ከም ኩለን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት፣ ካብ'ታ ዝወሓደት ንእስቲ ካልኢት ክሳብ ኣዋርሓ ጸንቂቃ፣ በዛ ሓዳሽ ዓመት ተተኪኣ ኣላ! 🆕

🤔ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኩምራ መብጽዓታት ወይ መደባት ምስራዕ ኣብዝሓ ሰብ ዝገብሮ ልሙድ ተርእቶ እዩ🤫! ሓደ ሓደ እዋን፣ እቶም እንሰርዖም መደባት፡ ካብ ምብዝሖምን፣ ውርጹጻት ዘይምኻኖምን ዝተላዕለ፣ ምስታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሓዳስ ዓመት እዮም ዝዓርቡ🫣። ስለዚ እንቅይሶም መደባት፣ ምስ ክውኑነት ዝሳነዩን ውርጹጻትን ምስዝኾኑ፡ ናይ ምትግባሮም ዕድላት ርሒብ ይኸውን'ሞ፣ ውጽኢታዊያን ድማ ይኾኑ!

ናይ ሎሚ ትሕዝቶ እምበኣር፣ብምክንያት እዛ ዝተቀበልናያ ሓዳስ ዓመት 🧨2️⃣0️⃣2️⃣3️⃣🧨፣ ኣብ ተግባራውነት ናይ እንሰርዖም መደባትና ክሕግዙና ዝኽእሉ ሓሙሽተ ጠርነፍቲ ሓሳባት እዮም ኽኾኑ፡ኣብ ልቢ ኩላትና ዝሓድር ይግበሮ እናበልኩ፣ ናብ'ቲ ትሕዝቶ ከብለኩም!!

#ግዜ🕛፣ ዝጠፍኤ ግዜ መላሲ ስለዘይብሉ!!

#ጥዕና🩺፣ ኩለንትናዊ ጥዕና መሰረት ናይ ኩሎም ከነዐውቶም እንትልም መደባት ስለዝኾነ!!

#ጸዓት🔥፣ ጸዓትና ምስ ብሉጻት ሰባትን ኣብ ብሉጽ ዕላማን ከነባኽኖ ይግባእ!!

#ገንዘብ💰፣ ግዜና ሰዊእና ዝረከብናዮ ገንዘብ፣ ንምጥፍኡ ደቃይቕ ውን እኩላት ስለዝኾና

#ስሚዒታት🤯፣ ኣተሓሳስባና ብምቁጽጻር፡ ዋናታት ስምዒታትና ንምዃን ስለዘኽእለና

❤️ ዓመተ ጥዕና ❤️
ዶር. ዮሴፍ የማነ
ጥሪ 1, 2023.

ሰላም!......"ስለምንታይ" ኢልና ሓቲትና ጥራይ ከነወግዶም ወይ ድማ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ከነውርዶም እንኽእል ሕማማት ይቀትሉና ኣለዉ!😭✅ጠንቆም ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኮኑ ሞት መንእሰያት...
03/12/2022

ሰላም!
......"ስለምንታይ" ኢልና ሓቲትና ጥራይ ከነወግዶም ወይ ድማ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ከነውርዶም እንኽእል ሕማማት ይቀትሉና ኣለዉ!😭

✅ጠንቆም ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኮኑ ሞት መንእሰያት ክትሰምዕ ከለኻ ይስምዓካ፣ ብዓቢኡ ድማ ትፈርህ፣ እንቲ ምንታይ'ሲ ሰብ ዕድመ ጸጊቡ፣ ደቁ ኣምሲሉ፣ ብደቂ-ደቁ ማሙቁ ካብዛ ዓለም ክፍለ ኸሎ ሓላል፡ በንጻሩ ድማ ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ መንእሰይ፡ ዕድመ ከይጸገበ፣ ከይዘመደ ከይወለደ፣ ደቁ ከይጸገብዎ፣ ኮታስ ኣብ ዘፍርየሉን ዝፈርየሉን ግዜ ክኹለፍ ከሎ ግና፡ንማንም ፍጡር፣ ክቕበሎን ክጸሮን ክብድ ስለዝብል።

✅እዞም ምስ ምውሳኽ ዕድመ ዝረኣዩ ዝነበሩ እሞ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና፣ ኣብ መንእሰያት ገኒኖም ዝረኣዩን፣ ጠንቂ ሞት ኮይኖም ዘለዉን፡ ከም ሽኮር፣ ጸቕጢ ደም፣ መንሽሮ (ካንሰር)፣ ርእሰ ብዩን ሕማማት፣ ሕማማት ቑጥዐ፣ ዝተፈላለዩ ሕማማት ልቢ ዝጠንቁ ሃንደበታዊ ሞት (Sudden Cardiac Death) ....ወዘተ "ስለምንታይ" ብብዝሕን ዓይነትን ወሲኾም፧

✅ሕማም ከይጸዋዕካዮ ዝመጽእ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጥዕናና እንገብሮ ወፍሪ ግና፣ ኣብ ምምሕያሽ ዓይነት እንነብሮ ሂወትን (Quality of life)፣ ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕምና ኣብ ምድንፋዕን ዓቢ ተራ ኣለዎ።

!! ምክንያቱ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይዞም ሕማማት ብርግጽ ኣብ ኣነባብራና እዩ ዘሎ!

⛔ ስለዚ ክንፈርህ ዘይኮንና ዘለና፣ ኣብ መዓልታዊ እነህልኾም ነገራት ምጥንቓቅ እቲ እንኮ ምርጫ'ዩ!!

ጥንቃቐ ኣብ.....

💠እንወስዶም መግቢብታት (ካብ ምንጮም ክሳብ ኣሰራርሕኦም)
💠እንሰትዮ ፈሳሲ
💠እንጥቀመሉ ዘይቲ
💠እነዘውትሮ እኽሊ ( ሰነ-ሰረታዊ ወይ ጀነቲካዊ ለውጢ ዝተገብረሎም)
💠ክንወስዶም ዝግብኣና መኣዛውያን መግብታት ዘይምውሳድ.....ወዘተ ኣብ ጥዕናና ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎም ከምዝኽእሉ ተረዲእና ልዑል ጥንቓቐ ክንገብረሎም እላቦ!

❤️ንስነ-ጥበባዊ ሓውና - ድምጻዊ፣ ዘያምን ገጣምን (ዱላ) መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰብ ድማ ኣምላክ ምጽንናዕ ይሃቦም!

ዶ|ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
ታሕሳስ 4, 2022.

🆕ሰላም!🙌ካብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ጀሚሩ ፣ ኤውሮጳ ብብርቱዕ ☀️ዋዒ☀️ተጠቂዓ ኣላ። እዚ ብሰሪ   🌀(summer heat waves) ዝተከስተ ልዑል ከባብያዊ ዋዒ፣ ኣብ ከም 🇨🇵ፈረንሳይ...
20/07/2022

🆕ሰላም!🙌

ካብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ጀሚሩ ፣ ኤውሮጳ ብብርቱዕ ☀️ዋዒ☀️ተጠቂዓ ኣላ። እዚ ብሰሪ 🌀(summer heat waves) ዝተከስተ ልዑል ከባብያዊ ዋዒ፣ ኣብ ከም 🇨🇵ፈረንሳይ፣ 🇪🇦ስጳኛ፣ ከምኡ ድማ ገለ ከባቢታት 🇵🇹ፓርቱጓል ባርዕ ጫካ 🔥🔥ንኽበጋገስ ከምዝገበረን፣ ጠንቂ ምምዝባል በ'ሽሓት ዝቅጾሩ ሰባትን፣ ዕንወት ብሚልያናት ዝግመት ንብረትን ኮይኑ'ሎ። ኢንግሊዝ ሓዊስካ፣ ኣብ መብዛሕአን ሃገራት ኤውሮጳ ልዑል መጠን ከባብያዊ ዋዒ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ውን፣ ብቀሊል ዘይግመት ጉድኣድ ኣውሪዱ ከምዘሎ፡ ዝወጹ ዘለዉ ወግዓውያን ሓበሬታታት ይገልጹ ኣለዉ። ከም ኣብነት፥ ኣብ ፖርቱጋል፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ፣ ምስዚ ተከሲቱ ዘሎ ልዑል ከባብያዊ ዋዒ ተኣሳሲሩ ፣ ብሞት ናይ ዝተፈልዩ ሰባት ቑጽሪ፡ 360፣ ከምዝበጽሐ ኣሃዱ ሕክምና ናይታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ናይ ሎም ጽሑፍ እምበኣር፥ " ☀️ ኣብ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ከውርድ ይኽእል፧" ዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ፥ ሰናይ ንባብ!!

⏯️ደቂ ሰባት፥ ከም ኩሎም 🦇 (warm blooded mammals)፣ ተፈጥሮ ዝዓደሎም መጠን ሙቀት ውሽጣዊ ኣካላቶም ዝሕልውሉ (ማለት ኣብ ከባቢ 37°ሰንቲግሬድ ክኸውን ዘኽእሎ) ኣገባባት ኣለዎም። እዚ ማለት፣ ልዑል መጠን ከባብያዊ ዋዒ ኣብ ዝህልወሉ፥ ኣካላትና ዝተፈላለዩ መስርሓት ብምሕላፍ፣ ንኣብ ውሽጢ ኣካላትና ዝፍጠር ክቱር ረስኒ ንደገ ብምትፋእ፥ ብሰሪ ልዑል ውሽጣዊ ረስኒ ከጋጥም ንዝኽእል ጥዕናዊ ጸገማት ይከላኸለልና!

ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣገባባት ምቑጽጻር ንምጥቃስ

🔶ብ'ኣብ ቆርበትና ብዝርከቡ ጽክታት ረሃጽ
🔶ብስርዓተ ምስትንፋስ
🔶ዑደት ደም ኣብ ከባቢ ቆርበት ከምዝዛይድ ብምግባርን ንመጠን ውሽታዊ ሙቀት ኣካላት ኣብ ንቡር ከባቢ 37°ሰንቲ ግሬድ ከምዝኸውን ይገርብዎ!

⚠️እዞም ናይ ቁጽጽር ዓቅምታት ኣካላትና ምስ ዝዳከሙ (ብፍላይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሃንደበታዊ ኣብዝኾነሉ እዋን)፣ ወይ ውን ምስ ብከባብያዊ ይኹን ውሽጣዊ ጠንቂ ምስ ዝዕብለሉ፣ ህዋሳትና ብግቡእ ናይ ምስራሕ ተኽእሎም እናቀሃመ ብምኻድ ክሳብ ሞት ከቃልዑና ይኽእሉ።

▶️እዚ ጠንቁ፣ ልዑል ከባብያዊ ዋዒ ዝኾነ ክቱር ውሽታዊ ረስኒ፣ #ሂት #ስትሮክ ( ) ( #ኮልፖ #ዲሶሎ) ይበሃል። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፣ እዞም ኣገባባት ምቁጽጻር ሙቀት ኣካላትና ምስዘቋርጹ ዝርኤ ሕክምናዊ ክስተት እዩ። ኮልፖ ዲ'ሶሎ ዝጠንቁ ሕሉፍ መጠነ ውሽጣዊ ሙቀት ( ካብ 40°ሰንቲግሬድ ንላዕሊ) ንዝተፈላለዩ ውድቀት ኣካላት (🫀🫁🧠ዋህዮታት ኣካላትና ኣብ ልዑል ውሽታዊ ረስኒ ብግቡእ ክሰርሑ ስለዘይኽእሉ) ብምቕላዕ፣ ክሳብ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሕማም እዩ።

👉 ፧

✳️ልዑል መጠን ውሽጣዊ ረስሲ 🤒🤒
✳️ውነኻ ምጥፋእ ወይ ውን ውነኣዊ ለውጢ፥ ንኣብነት፣ ከጨውጨው ምባል፣ ምንፍርፋር ኣካላት፣ ኮልታፍ ኣዘራርባ ወዘተ
✳️ድርቀት ቆርበት (ብሰንኪ ዘይምርሃጽ ዝስዕብ)
✳️ተምላስ ወይ ናይ ከተምልስ ምድላይ ስምዒት
✳️ልዑል ውሽጣዊ ሙቀት/ረስኒ ዝጠንቁ ምቅያሕ ቆርበት
✳️ቁልጡፍ ምስትንፋስ
✳️ህዉኽ/ቁልጡፍ ህርመት ልቢ
✳️ቃንዛ ርእሲ

👉ኣብ ልዑል ከባብያዊ ዋዒ ዝክሰተሉ እዋናት #ክነተግብሮም ዘለና ከመይ ይመስሉ፧

⭕ፍኲስ ዝበለ ክዳውንቲ ምዝውታር። ኣብ ነብሲ ዝጠብቁ ልብሲ ምኽዳን ንናይ ውሽጣዊ ኣካላትና ሙቀት ምቁጽጻር መስርሕ ብኣሉታ ስለዝጸሉ ኣብ ሙቀት ዘለዎ እዋናት ፍኩስ ዝበለ ክዳውንቲ ምዝውታር ተመራጺ ይኸውን።

⭕እኩል ፈሳሲ ምውሳድ። እዚ ምግባር ንኣካላትና ክርህጽ ብምግባር ኣብ ምቁጽጻር ሙቀት ይሕግዝ። ሌጣ ማይ ዘይምውሳድ፣ ብዝተካእለ መጠን እቲ እንወስዶ ማይ ማዕድናት ዘለዎ ምስዝኸውን ተመራጺ ይኸውን።

⭕መድሃኒታት ( ከም ንልዑል ጸቅጢ ደም ዝውሰዱ ዓይነት) ትወስድ እንተደኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ ክውሰዱ ዘለዎም ተወሰኽቲ ጥንቃቀታት ምስ በዓል ሞያ ሕክምና ምዝርራብ።

⭕ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣየር ኣህላኺ ስራሕ⛑️ ዘይምስራሕ፣ እዚ ንተወሳኺ ውሽጣዊ ረስሲ ስለዘቃልዕ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣየር እኩል ዕረፍቲ ምውሳድ ደገ ዘይምውጻእን።🏖️⛱️

☑️ዝኮነ ምልክታት ምስዝረኣየካ ግቡእ ዕረፍቲን ፈሳስን ምውሳድን፣ እዚ ጌርካ ከተብቅዕ ምስ ዘይምሓየሽ ሕክምናዊ ሓገዝ ምርካብ

👉 ! ከምዞም ዝተተቅሱ ምልክታት ዘለዎ ሰብ ምስዘጓንፈካ ክትህቦ ዘለካ ቀዳማይ ረዲኤት።

✅ኣብ ዝሑል ቦታ ብምውሳድ ብዙሑል ማይ ምሕጻብ🛀
✅ማይ ዝተልቀየ ጨርቂ ገርካ ምድራዝ፣ ብፍላይ ኣብ ግንባር፥ ቱሽቱሽን ረቃቒቶን
✅ዝሓመመ ሰብ ውንኡ ናብ ንቡር ምስዝምለስ፣ እኩል ማዕድናት ዘለዎ ማይ ምሃብ፣ ንኣብነት ማይን ጨውን ሓዊስካ ክትህቦ ይከኣል።
✅እዚ ጌርካ ለውጢ ምስዘየምጽእ ናብ ቀረባኻ ዘሎ ሕክምና🚑 ምውሳዱ ተመራጺ እዩ።

ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ትቅመጡ፣ ትምቢት ኩነታት ኣየር ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ዝነፍሱ ጠሊ ዝሓዙ ንፋሳት ፣ ንዘሎ ልዑል ሙቐት ክቅይሩ ሙኳኖም ጸብጻባት ሜትሮሎጂ የመላኽቱ!!

ክሳብ ብኻልእ ዛዕባ ጥዕና ዝምለሰኩም ሰናይ ቕነ!
ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓምለ 20, 2022.

ሰላም!👋👋🆕ሓደ ካብቶም ኣብ ደርፊ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎም ስነጥበባውያን ዝኾነ ጃስቲን ቢበር፣ ኣብ ናይ እንስታግራም ሕሳቡ፣ መልመስቲ ፍርቂ ገጽ ከምዘጋጠሞን፣ ጠንቁ ድማ ራምሰይ ሃንት ዝበ...
12/06/2022

ሰላም!👋👋

🆕ሓደ ካብቶም ኣብ ደርፊ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎም ስነጥበባውያን ዝኾነ ጃስቲን ቢበር፣ ኣብ ናይ እንስታግራም ሕሳቡ፣ መልመስቲ ፍርቂ ገጽ ከምዘጋጠሞን፣ ጠንቁ ድማ ራምሰይ ሃንት ዝበሃል ናይ መትኒ ጸገም ምኻኑ ገሊጹ ኔሩ!

🔸ንሙኻኑ እዚ ሕማም እንታይ እዩ!፧
🔸ኣብ ከመይ እዋን'ከ ከጋጥም ይኽእል፧
🔸ናይ ምሕካም ተኽእሎ ኣለዎ'ዶ፧
ዝብሉ ሕቶታት ካልእን ክምልስ ክፍትን እየ፣ ሰናይ ንባብ!!

👉ብተለምዶ ኣብ ዓድና፣ ሓደ ሰብ ሃንደበት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት (ኣቀዲሙ ምዕሩይ ገጽ ጸኒሕዎ ክንሱ) ገጹ ናብ ሓደ ሸንኽ ምስ ዝዘብል "ተጎኒፉ" 🙆‍♀️ እዩ ዝበሃል። እዚ ብሕክምናዊ ኣጸዋውዓ ፋሻል ፓልስይ ( ) ወይ ድማ መልመስቲ መትኒ ናይ ገጽ ይበሃል። እዚ መትኒ ( ነርቭ)፣ ሓደ ካብቶም 12 ካብ ሓንጎል ዝነቅሉ መትንታት ኮይኑ፣ ንኣብ ገጽ እንገብሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳትን፣ ስሚዒታትን ድማ ይቆጻጸር።

ንምጥቃስ ዝኣክል..

⭕ዝኾነ ኣብ ገጽ እንገብሮም ምንቅስቃሳት ( )፣ ንኣብነት ፍሽኽ/ክምስ ምባል፣ ምጽዋግ/ገጽ ምእሳር፣ ምፍጻይ፣
⭕ንንብዓት እተፍሪ ጽኪ
⭕ንብርቱዕ ድምጺ ዘቅህሙ፣ ኣብ እዝኒ ዝርከቡ ጭዋዳታት
⭕ኣብ ጫፍ መልሓስ ዝርከቡ ናይ ምስትምቃር ዋህዮታት ካልእን... ይቆጻጸር

👉ዝኮነ ብውነና (Consciously) እንገብሮ ምንቅስቃሳት በቲ #ሶማቲክ ዝበሃል ክፋል ስርዓተ መትኒ እዩ ዝእዘዝ። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብዞም መትንታት ዘጋጥም ጸገማት ድማ፣ ነቲ ንሶም ዝእዝዝዎ ክፋል ኣካላትና ይጸሉ። እዚ መትኒ እዚ ብዝተፈላለየ ጠንቅታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ እምበኣር፣ ሓንጎልና እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገልጹ ስሚዒታት ናይ ምምስራሕ( ፕሮሰስ ምግባር ) ዓቅሚ ኣይህልዎን እሞ' ከምዘይነበሩ ይኾኑ!

✳️ ፧

✔️ናይ ገጽ መልመስቲ ( ብሓደ ወይ ብክልቲኡ ሸነኽ ናይ ገጽ ከጋጥም ይኽእል ) ዘምጽኡ ሕማማት ብዙሓት እዮም። ገለ ካብቶም ጠንቅታት፣ ...

🔸ከም በልስ ባልስይ
🔸ብዝተፈላለዩ ቫይረሳት ዝመጽእ መልመስቲ ገጽ 🔸ምስ ጥረ (መንሽርኣዊ) ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም መልመስቲ
🔸ምስ ተፈጥሮ ተኣሳሲሩ ዘጋጥም መልመስቲ... ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ።

ንሎሚ ምስ በልስ ፓልስይ፣ ከምኡ ድማ ራምሰይ ሃንት ስይንድረም ሕጽር ዝበለ ከላልየኩም።

- እዚ ዓይነት መልመስቲ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ብማዕረ ዝርአ ዓይነት መልመስቲ ኮይኑ፣ ንኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዘሎ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ውን እዩ። ብፍላይ ግና ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 40 ንዘለዉ ሰባት፣ ከም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት፣ ምስ ሰዓል ወይ ካልእ ናይ ላዕለዋይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማማት፣ ኣብ ጡኑሳት፣ ሳሕቲ ድማ ኣብ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ መዓልታት ከጋጥም ይኽእል።

ከም ቫይረስ፣ ፣ ቫይረስ ዝበሃሉ ዓሌታት ቫይረስ ውን ጠንቂ መልመስቲ ገጽ ኽኾኑ ዝኽእሉ ቫይረሳት እዮም!

👉እዚ ንኣርቲስት ጃስቲን ቢበር ኣጋጢምዎ ዘሎ መልመስቲ ገጽ፣ ጠንቁ ዝበሃል ቫይረስ ኮይኑ፣ ብሕክምናዊ ኣጸዋውዓ ይበሃል። ጠንቂ እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም እዚ፣ እቲ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ሕማም #ፍሮማይ ዘኸትል ቫይረስ'ዩ። እዚ ቫይረስ ብንእሽተኻ ብዕንበባን፣ካሪመለን (ዳእላ'ዩ) ምስ ገደፈካ፥ ኣብ ኣካላትካ ዘይንጡፍ ኮይኑ ይጸንሕ እሞ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምስዝበራበር ዝኽሰት ሕማም'ዩ!

!

👉ንመልመስቲ ገጽ ዝወሃብ ሕክምና ከከም ጠንቅታቱ ይፈላለ። ጠንቁ ቫይረስ ዝኮነ መልመስቲ ብጸረ_ቫይረስ ክሕከም ከሎ፣ ሓኪምካ ጠንቂ መልመስቲ ነድሪ ናይ መትንታት ኢሉ ምስ ዝሓስብ ስተሮይድ ክህበካ ይኽእል። ፊዝዮተራፒ ( ብምንቅስቃስ ዝግበር ሕክምና)፣ ንዝተጎድኡ መትንታት ነባሪ ጽገማት ንከይገድፉን፣ ናብ ንቡር ስርሖም ኣብ ምምላስን ኣዝዩ ዓቢ ተራ ይጻወት፣ ኣጋጢሙ ዘሎ መልመስቲ ገጽ ከም ምልክት ዓበይቲ ሕማማት ዝመጸ ምስዝከውን ድማ፣ ነቶም ጠንቂ ዝኾኑ ሕማማት (Underlying Diseases) ብምሕካም ናብ ንቡር ክምለስ ይኽእል።

👉ጽቡቅ ነገሩ፣ መብዛሕትኡ እዋን በልስ ፓልስይ ከምኡ ድማ ቫይረስ ዝጠንቁ መልመስቲ ገጽ ባዕሉ ኣብ ሰሙናት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ኣዋርሕ ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽእል ሕማም እዩ። ሳሕቲ፣ ኣብ ብቑጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ግና፣ ገጽ ከኸትል ይኽእል። ራምስይ ሃንት፣ ምስ በልስ ፓልስይ ኣነጻጺርካ፣ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ተኽእልኡ ትሕት ዝበለ እዩ።

!

ኣብ ኤርትራ፣ ዝተጎንፈ ሰብ ( ብልምዳዊ ኣጸወውዓ) ናብ ባህላዊ ሕክምና እዩ ዘብል። እንተስ ብባህሪኡ መዓልቱ ሓልዩ ናብ ንቡር ዝምለስ ኮይኑ፣ እንተስ ናይ ብሓቂ ይፍውሶ'ዩ ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብቶም ሕሙማን ግና ለውጢ ይገብር እዩ። ክሳብ ዕሙቅ ዝበለ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፣ ጠቃሚ ይኹን ጎዳኢ ክትብሎ ኣሸጋሪ ይኸውን። መጽናዕቲ ተገሩ ኣድማዕነቱ ክሳብ ዝረጋጋጽ፣ መልመስቲ ገጽ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ፣ #ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብን ናብ ሕክምና ምኻድ ኣገዳሲ ይከውን!

ወዳሓንኩም!

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
ሰነ 12, 2022.

 !ኣብ ከም  ፣  #ሲኤንኤን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣዘራራቢ ኣርእስቲ  ኮይኑ ዘሎ፣ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ንኹሎም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሕሙማን ክፍውስ ዝኸኣለ "ፈተነ ፍወሳ" መን...
10/06/2022

!

ኣብ ከም ፣ #ሲኤንኤን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ፣ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ንኹሎም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሕሙማን ክፍውስ ዝኸኣለ "ፈተነ ፍወሳ" መንሽሮ ንሑሙማን ካንሰር ተስፋ፣ ንካንሰር ድማ "ነበርያነበረ" ክገብሮ ከምዝኽእል ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሊቃውንቲ ጥዕና ይገልጹ ኣለዉ!

እዚ ኣብ ውሑዳት ሰባት ተፈቲኑ፣ 100% ውጽኢታዊ ምኻኑ ዝተነግረሉ፣ ሓዱሽ ኣገባብ ፍወሳ ካንሰር ከምዝማዕበለ፣ ብሰንበት ኣብ ናይ እንግሊዝ መጺሄት ጥዕና ( ) ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ይሕብር። እዚ ንባህርያዊ ስርዓተ ምኽልኻል ( Immune system) ደቂ ሰባት ብምድንፋዕ ዝካየድ ፍወሳ፣ ካብቶም ዝጸንሑ ኣገባባት ፍወሳ ( ከም እኒ መጥባሕቲ፣ ቀመማዊ ፍወሳ፣ ጨረርን)፣ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ " ፣ ካብ ምስ ፍወሳ ተኣሳሲሮም ዝመጹ (treatment complications) ነጻ ምኻኑን እዩ" ክትብል፣ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ክኢላ ፍወሳ መንሽሮ ዝኮነት፣ ዶክተር ኣንድሪ ሰርሰክ፣ ኣብቲ ምስ ሲ.ኤን.ኤን ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ ምልልስ ገሊጻ።

ከምዝፍለጥ ዝጸንሑ ኣገባባት ፍወሳ ካንሰር፣ ኣሉታውያን ጎድናዊ ሳዕቤናት ከምዝነበሮምን፣ ምስዚ ሓዱሽ ርኽበት ብምንጽጻር፣ ኣብ ውጽኢቶም (ካብ ዓይነት መንሽሮን ደረጃ ምዕባሌኦምን ዝፈላለ እኳ እንተኾነ) ኣዕገብቲ ከምዘይነበሩ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ዝኾኑ ሓካይም ዝሰማምዑሉ እዩ።

እዚ ዓቢ ስጉምቲ ንፍወሳ ሕማማት መንሽሮ ምኻኑ ዝተነግረሉ ሕክምናዊ ርኽበት፣ ንስርዓተ ምኽልኻል #ብምድንፋዕ፣ ንዋህዮታት መንሽሮ (Checkpoint Inhibition) ከምዝቓለስዎ ዝገብር ኣገባብ ፍወሳ'ዩ። ንኹሎም ዓይነታት መንሽሮን፣ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ምዕባለ ንዘሎ መንሽሮን ናይ ምፍዋስ ተኽእሎ ስለዘለዎ፣ ካብ ካልኦት ዓይነታት ፍወሳ መንሽሮ ዝተፈልየ ይገብሮ። ዶክተር ሰርሰክ ኣስዒባ፣ "ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኣዝዩ ውጺታውን ኣብ ሕክምና መንሽሮ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት" ክትብል ትገልጾ!!

"ኣብ ታሪኽ ሕክምና፣ ሕዱራት ሕማማት ክፍወሱ እዚ ናይ ፍለማ ሙዃኑ እዩ!" ይብል፣ ካልእ ኣባል ናይታ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ጉጅለ ልቃውንቲ ሕክምና መንሽሮ ዝኮነ፣ ዶክቶር ልዊዝ ደያዝ።

!
Dostarlimab the magic drug!

ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሕሙማን መንሽሮ #ባጡቅ (ናይ መወዳእታ ክፋል ገፊሕ መዓንጣ)፣ ንሹዱሽተ ወርሒ፣ ኣኣብ ሰለስተ ሰሙን " #ዶስታሪሊማፕ" ዝበሃል መድሃኒት ድሕሪ ምውሳዶምን፣ ኣብ ዓመት ድሕሪ ፍወሳ ብዝተገብረ መርመራ፣ ኣካላቶም ካብ ኮይኑ ከምዝተረኽበ፣ ዶክቶር ልዊዝ ደያዝ ይውስኽ። እቲ መጽናዕቲ ብዘይካ ፍወሳ፣ ን' (Recurrence) እቲ ሕማም፣ ወይ ውን ምስ ፍወሳ ተኣሳሲሮም ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሕማማት ንምርኣይ፣ ኣብ 25 ወርሒ ( ክልተ ዓመት) ኣብ ዝተገብሮ መርመራታት ውን ዝኾነ ኣሉታዊ ውጽኢት ኣይረኸበን።

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
ሰነ 10, 2022.

ካብ ዘንበብክዎ!!ሰባት ንግሆ ተንሲኦም ከሕድስዎም  ዘለዎም ኣርባዕተ  ነገራት!! #መንፈስካ 👉ሰባት ከከም እምነቶም፡ ብሰላም ንሓዳስ መዓልቲ ክሪኡ ንዘብቅዖም ፈጣሪኦም ብምምስጋን እንተጀሚሮ...
21/01/2022

ካብ ዘንበብክዎ!!

ሰባት ንግሆ ተንሲኦም ከሕድስዎም ዘለዎም ኣርባዕተ ነገራት!!

#መንፈስካ 👉ሰባት ከከም እምነቶም፡ ብሰላም ንሓዳስ መዓልቲ ክሪኡ ንዘብቅዖም ፈጣሪኦም ብምምስጋን እንተጀሚሮማ፡ መንፈሶም ከምዝሕደስ ብምግባር ውሽጣዊ ሰላም/ርግኣት ንክህልዎም ይሕግዝ!!

#ኣካላትካ-👉ሓዳስ መዓልቲ፡ ብውሱን ካብ 10 ደቒቅ ዘይውሕድን፥ ካብ ፍርቂ ሰዓት ዘይበዝሕን፥ ኣካልዊ ምንቅስቃስ ምጅማር፡ ብዘይካ'ቲ ዝህቦ ጥዕናዊ ረብሓ፥ ነቲ ተዛንዩ ዝሓደረ ኣካላይካ ነዛ ሓዳስ መዓልቲ ድልው ይገብሮ። ስለዚ ምንቅስቃስ ኣካላት ደቂስካሉ ዝሓደርካ ዓራት ብምንጻፍ ጀምር!!

#ኣእምሮኻ👉 ከምቲ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንስጋና ንምሕዳስ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ምንባብ ድማ ንኣእምሮና ኣብ ምሕዳስ ኣገዳሲ ተራ ይጻወት። ኣእምሮካ ብንጥፈት ንክሰርሕ ዝኮነ ክትረክቦ እትኽእል ሃናጺ ዝኾነ ጽሑፍ ኣንብብ፡ እዚ ምስ እትገብር ኣእምሮካ ተሓዲሱ ነታ ጀሚርካያ ዘለኻ ሓዳስ መዓልቲ ንክዳሎ ይሕግዘካ!!

#ጸዓትካ👉 እኹል ቁርሲ ውሰድ፡ ኣካላትካ ንክሰርሕ ጸዓት የድልዮ፥ ንግሆ ኣደልዲልካ ቁረስ፥ ምክንያቱ መግቢ ንፍጡራት፡ ከም ነዳዲ ንተሽከርከርቲ ስለዝኾነ። ነቲ ንምሉእ መዓልቲ ንክትሰርሕ ዘድልየካ ጸዓት ካብ ዝተመጣጠነን፥ ጥዕና ዘለዎ መግብን ክትረኽቦ ፈትን!!

እዚ ምስ እትገብር ምሉእ ጥዕና ይህልወካ፡ ምክንያቱ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ #ኣካላዊ፡ #ኣእምርኣዊ፡ #ማሕበራዊን !!

Health, according to the World Health Organization, is "a state of complete physical, mental and social well-being and not merely the absence of disease and infirmity".

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
ጥሪ 21, 2021.

ሰላም!!👋👋🎗️ነዛ ጽሕፍቲ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ገጻት ዩቱብ ዝተገብረ ቓለ ምልልስ ምስ ሓደ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ወዲቁ ዝርከብ ሓውና ይከታተል ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ...
17/01/2022

ሰላም!!👋👋

🎗️ነዛ ጽሕፍቲ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ገጻት ዩቱብ ዝተገብረ ቓለ ምልልስ ምስ ሓደ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ወዲቁ ዝርከብ ሓውና ይከታተል ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ዝተሰመዓኒ ዝተፈራረቀ ስምዒት'ዩ! ነዛ ቪድዮ ጀሚርካ ንክትውድኣ እተጸግም ቪድዮ'ያ! 😢እቲ ምንታይ ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ታ' ስድራ ዝንበብ ከቢድ ጾርን ሕሰምን ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ የዒንቲ'ቶም ህጻናት ዝዛሪ ንብዓት ተስፋ ድማ በቲ ኻልእ፡ ኣትኪልካ ንክትሰምዖምን ክትውድኣን ትብዓት ዝሓትት ስለዝኾነ!!

🎗️ብዝኾነ ግኑን ተርእዮ ሕማም መንሽሮ በብዓመቱ እናወሰከ ይኸይድ ከምዘሎ በብእዋኖም ዝወጹ ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ፡፡ ሕማማት መንሽሮ ካብ ካልኦት ሕማማት ፍሉይ ዝገብሮም፡ ድማ ንምሕካሞም ዝሓቶ ወጻኢታት፡ ልዕሊ ዓቕሚ ናይቶም [ወረ ሓደ ሓደ እዋን'ሲ ወላ ነቲ ርኹብ የራኻክበሉ'ዩ ] ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ስለዝኾነ'ዩ፡፡ …እዚ ማለት ኣብ ስድራቤታት ልዑል ጸቕጢ ዝፈጥርን (ብፍላይ ሕሙም፡ ኣላዩ ስድራ ምስዝከውን ወይ ምስትኸውን) ኣብታ ስድራ ዝፍጠር ሽግራት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡፡

🎗️ካልእ ምስ ሕማማት መንሽሮ ዝረኣዩ ጸገማት (ገለ ውሱናት ዓይነት ገዲፍካ)፡ መብዛሕትኦም ፡ እቲ ዝሓመመ ሰብ ውን #ከየቅለበሎም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ክበጽሑ ዝኽእሉ ሙኻኖምን'ዩ፡፡

🎗️ነዝን ካልእን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ሽሕ'ኳ ውጽኢት ሕክምና ብቡዙሓት ረቛሒታት ዝጽሎ እንተኾነ ( ዓይነት መንሽሮ፡ ደረጃ ምዕባለ መንሽሮ፡ዕድመ ሕሙም…)፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ወይ ብልሙድ ኣበሃህላ ቸክ-ኣብ (Health Screening) ምግባር ግና፡ እቲ ንውጽኢት ሕክምና (Treatment outcome) ክቕይር ዝኽእል ዝበለጸ ኣማራጺ'ዩ!! እቲ ምንታይ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዘሎ ሕማም መንሽሮ፡ ዝያዳ እቲ ዝሰደረ ( ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሐ) ልዑል ናይ ምሕካም ተኽእሎ ስለዘለዎ፡፡

??

መብዛሕትኡ እዋናት ነጸርታ ሕማማት መንሽሮ ብቀለልቲ ናይ ቤተ-ፈተነ (laboratory) መርመራታት ክልለዩ ኣጸጋሚ እኮ እንተኾነ፡ ዘለና #መስርዖምን (ታሪኽ ሕማም) ብጉቡእ ንሓኪምና ምሕባር፡ ኣዝዮ ሓጋዝን፡ ንሓኪምና ድማ ተወሳኺ መርመራታት ብምግባር ናብ ነጸርታ ንምብጻሕ ክሕግዙዎ ይኽእሉ።

ገለ ካብቶም ምስ ሕማማት መንሽሮ ደም ተኣሳሲሮም ክረኣዩ ዝኽእሉ ምልክታት ከምዞም ስዒቦም ተገሊጾም ዘለዉ ክመስሉ ይኽእሉ!…

1️⃣ ፥ መንሽሮ ደም ዘለዎም ሰባት ኣካላቶም ዘፍርዮ መጠን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ይጎድል እሞ ከም…

✅ልዕሊ ንቡር ድኻም
✅ሕጽረት ትንፋስ
✅ዕውልውል ምባል
✅ምጽዕዳው ኣካላት
✅ቃንዛ ኣፍልብን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዋሕዲ ደም ከርእዩ ይኽእሉ

2️⃣ ፡ ቑጽሪ ዋህዮታት ደም ብሰሪ መንሽሮ ደም ልዕሊ ንቡር ስለዝውስኽን፡ ወይ ውን ቑጽሪ ናይ ፕላትለትስ ( ንምርጋእ ደም ዝጠቕሙ ዓይነት ዋህዮታት ደም) ምስ ዝጎድል፡ ኣብ መስርሕ ምርጋእ ደም ምምዝባዕ ይፍጠር እሞ ሕሙማን

✅መድመይቲ ኣብ ቆርበት [Bruises)
✅መድመይቲ ግርጻን
✅መድመይቲ ኣብ ቀልቀል(ቅጥራን መሳሊ ቀልቀል)
✅ኣብ ደቀንስትዮ ድማ ካብ ንቡር ንላዕሊ ወርሓዊ ጽግያት…ወዘተ ዝኣመሰሉ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ።

3️⃣ ፡ ኣብ መንሽሮ ደም ዘለዎም ሰባት ዝፈርዩ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ብቑጽሪ ወላ እንተበዝሑ ኣብ ዓድማዕነቶም ግና ከምቶም ልሙዳት ጸዓዱ ዋህዮታትና ስለዘይኮኑን፡ ግቡእ ስርሖም ክዓሙ ስለዘይኽእሉን፡ ናይ ደም መንሽሮ ዘለዎም ሕሙማን ተደጋጋሚ ረኽስታት ይገብረሎም፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ልዕሊ ካልእ እዋን ናብ ሕክምና ዘመላልሶም ናይ ረክሲ ምልክታት ከም ✅ረስኒ፡ ✅ብርቱዕ ረሃጽ …ወዘተ ይረኣዮም

4️⃣ካልኦት ከም ጠንቁ ዘይተፈልጠ

✅ምጉዳል ክብደት
✅ዘይንቡር ዕቤት ጽክታት ኣብ ክሳድ፡ ቱሽቱሽ፡ረቃቂቶ…
✅ዘይንቡር ዕቤት ውሽጣዊ ናውቲ ከብዲ [ጸላም ከብዲ፡ ላልሽ] ዝጠንቑ

5️⃣ብርቱዕ

6️⃣ነብስኻ ዘጽልእ #ስሓን ካልኦትን

እዞም ተጠቂሶም ዘለዉ ምልክታት ምስ ዝረኣዩ ሸለልትነት ወጊድ ኢልና ናብ ሕክምና ብምኻድ፡ ኩነታት ጥዕናና ምፍላጥን ምስ ሓኪምና ምዝታይን ክልመድ ዘለዎ ባህሪ'ዩ።

https://www.gofundme.com/f/help-yonas-tsegay-and-support-his-family?utm_campaign=p_cp+share-sheet&utm_medium=copy_link_all&utm_source=customer

🙏ንሓውና ናብ ንቡር ጥዕና ክምለስ እናተመነኹ፡ ሰሰናዩ!!

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም

ለ፡ቡ- 💥እዛ ጽሕፍቲ ጀሚረ ክሳብ ዝውድኣ ንምእማኑ ብጣዕሚ ዝኸበደኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ኣዝየን ሓጸርቲ ሰዓታት፡ ብዙሕ ሰብ፡ ንሓገዝ እዞም ስድራ ብኽትኣምኖ ዘጸግም ቕልጣፈ ብምዕሳሉ'ዩ........
❤️🇪🇷❤️ " " ዘብል'ዩ!!❤️🇪🇷❤️

ሰላም! 🤝👰🤵 #መርዓ፥ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ባህላውያን ወግዕታት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት'ዩ። ብድሕሪ መርዓ ዝህሉ ናይ ሕጽኖት መዓልታት ድማ ከምኡ፡፡ ከምቲ ብጸባ ጡብ ኣብ ሞንጎ ውሉድን ወላዲ...
15/10/2021

ሰላም! 🤝

👰🤵 #መርዓ፥ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ባህላውያን ወግዕታት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት'ዩ። ብድሕሪ መርዓ ዝህሉ ናይ ሕጽኖት መዓልታት ድማ ከምኡ፡፡ ከምቲ ብጸባ ጡብ ኣብ ሞንጎ ውሉድን ወላዲትን ዝፍጠር ውህደት፡ #ሕጽኖት ድማ ልኽዕ ከምኡ፡ ኣብ መንጎ ክልተ መጻምድቲ ዝፈጥር ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ሕጽኖት ነቲ "ደጊም ሓደ እምበር ክልተ ኣይኮኑን" ዝብል ብሂል ኣብ ምንጽብራቅ ኣገዳሲ ተራ ይጻወት፡፡

✴️ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብና ድማ ብፍላይ፡ ብዘለና ሃብታም ወግዒ ሕጽኖት፡ ኣብቶም መጻምድቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካልኦት ተካፈልቲ ናይቲ ውራይ ዝኮኑ ሰባት ውን፡ ብዝግበሩ ባህላውያን ጸወታታትን ካልእ ትሕዝቶኡን፡ ንሕጽኖት ናይ ፍቅሪ፡ ሕውነት፡ ዋዛ፡ ጸወታን ምክእኣልን ባይታ እንተበልናዮ፡ ናብ ፍጹም ሓቂ ዝቀረበ'ዩ፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ሕጽኖት ተላልዮም፡ ናቶም ሕጽኖት ከስተማቅሩ ዝበቅዑ ከምዘለዉ ውን ሰሚዐ ኣለኹ!❤️

🤔እንታይ ንምባል ደኣሉ'ዶ በልኩም?? …ምስ ሕጽኖት ዝተኣሳሰር ናይ ጥዕና ጸገም ስለዘሎ እየ። እዚ ብሕክምናዊ ኣጸዋውዓ እንብሎ( / )፡ ኣብ ውሑዳት ደቀንስትዮ መርዓውቲ ዝርኤ ጸገማት ስርዓተ ሽንቲ ኮይኑ፡ ካብ ካልኦት ናይ ስርዓተ ሽንቲ ሕማማት ዝፈልዮ እንተልዩ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ግዜ ሕጽኖት ዝግበር ስጋዊ ርክብ ዘጋጥም ዝለዝኮነ እዩ።

⛔ናብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ነገር እንተልዩ፡ ሕማም ሕጽኖት፡ ኣብ ዝኮነት ስጋዊ ርክብ እትገብር ጓለንስተይቲ ዘጋጥም ምኻኑ'ዩ፡፡

✅ ??

🔹ደቀንስትዮ ብተፈጥሮኤን ሓጺር መሸንቶ ( ~4 ሰ.ሜ ) ስለዘለወን፡ ንናይ ስርዓተ ሽንቲ ታህዋስያን ብቀሊሉ ናብ ፍሕኛ ሽንቲ ንኽጉዓዙ የኽእሎም።
🔹ኣብ መንጎ ርሕምን መሃንትሱን ዘሎ ቕርበት'ውን፥ ካልእ ንደቀንስትዮ ንሕማማት ሽንቲ ዝተቃልዓ ካብ ዝገብረን'ዩ።

✅ #ምልክትታት

ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ሕማም ሕጽኖት ካብ ካልእ ረክሲ ስርዓተ ሽንቲ ዝፈሊ የብሉን፡ ፍልልዮም ኣብ ጠንቕታቶም'ዩ። ስለዚ ሓንቲ ኣብ ሕጽኖታ ምልክታት ረክሲ ስርዓተ ሽንቲ ዘለዋ መርዓት፡ ግቡእ ሕክምናዊ ረዲኤት ክትረክብ ክትክእል ኣለዋ!

🔶ተደጋጋሚ ናይ ምሻን ድሌት፡ ሽንቲ ክህውኻ ከሎ
🔶ዘቃጽል ስምዒት ኣብ ግዜ ሽንቲ
🔶ደም ኣብ ሽንቲ
🔶ሽንቲ ዘይንቡር ሽታ ክህልዎ ከሎ
🔶ዓፍ ዓፍ ዝብል ሽንቲ
🔶ትሑት መጠን ረስኒ
🔶ቃንዛ ኣብ ትሕቲ ሕምብርቲ ዘሎ ክፋል ከብዲ…ካልእን

✅ #ምክልኻል!

ሕማም ሕጽኖት፡ ብሓፈሻ ድማ ናይ ስርዓተ ሽንቲ ሕማማት ብሓኪም ብዝወሃቡ መድሃኒታት ብቀሊሉ ዝፍወስ'ኮ እንተኾነ፡ ተደጋጋምቲ (recurrent) ኽኸውን ስለዝኽእል፡ ምክልኻል፥ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ፍወሳ ይገብሮ፡፡ ክግበሩ ዘለዎም ኣገባባት ምክልኻል፡ ነዞም ትሕት ኢሎም ተገሊጾም ዘለዉ ይመስሉ…

🔹ብዝኮነ ሳምና ንውሽጢ ርሕሚ ዘይምሕጻብ ( እዚ ንቁጽሪ'ቶም ጠቀምቲ ኣብ ርሕሚ ዘለዉ ተህዋስያን ስለዘመዛብዕ/ዘመዛብል ክውገድ ኣለዎ)
🔹ሽንቲ ዘይምዕቋር
ብዙሕ ፈሳሲ ምውሳድ
🔹ኣብ ደቀንስትዮ ዘሎ ቅርበት ርሕምን መሃንቱስን ንረክሲ ሽንቲ ዘቓልዕ ዝለዝኾነ፡ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ምሕባስ
🔹ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ሽንቲ ምሻን
🔹እትጥቀምሎም ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ንረክሲ ዘቃልዑ ክኾኑ ስለዝኽእሉ ብዛዕባኦም ምስ ሓኪምኻ ምዝታይ
🔹እትገብርዮም ኮስቱሞ ውጽኢት ጡጥ እብተኾነ ተመራጺ ይኸውን

ወደሓንኩም!

ንኹልኹም ኣብ ሕጹኖት ዘለኹምን፡ ብሕጂ እትሕጸኑን ድማ ኩሉ ሰናይ ይምነየልኩም!
ናብ ተሓጸንቲ #ሼር ንግበሮ!

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
ጥቅምቲ 15,2021.

👋👋ሰላም ሰላም!! ሎሚ ውን ከምቲ ልሙድ፥ ን ኣብ ጥዕና ዘለኩም ኣፍልጦ የበርኽ እዩ ዝበልክዎ ጽሑፍ ሒዘ መጼኩም ኣለኩ፡ ሰናይ ናይ ምንባብ ግዜ!⏺️ሓቢርካ ምንባር ዝሰረቱ ኣነባብራ ከም እን...
17/09/2021

👋👋ሰላም ሰላም!! ሎሚ ውን ከምቲ ልሙድ፥ ን ኣብ ጥዕና ዘለኩም ኣፍልጦ የበርኽ እዩ ዝበልክዎ ጽሑፍ ሒዘ መጼኩም ኣለኩ፡ ሰናይ ናይ ምንባብ ግዜ!

⏺️ሓቢርካ ምንባር ዝሰረቱ ኣነባብራ ከም እንኽተል ሕብረተሰብ መጠን፡ ኣብ ውራያት፡ ኣውደኣመት፡ ዒድ ካልኦት ምስ ግዜ እናገፍሑ ዝኸዱ ዘለዉ ከም ዓመት ቆልዓ፡ ጥምቀት፡ መመረቅታ ወዘተ ዝኣመሰሉ ውራያት፡ ሰብ ክእከብ ንቡር እዩ። ከምዚ ምባለይ ብዛዕባ ባህልን ልምድን ናይቲ ዘዕበየና ሕብረተሰብ ክዛረብ ኢለ ዘይኮንኩስ [ንሱ ዋናታት ስለዘለዎ]፥ ብዛዕባ ጌጋ ኣረዳድኣን ልምድታትን ሕብረተሰብናን፡ ኣብ ጥዕናና ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናትን እዩ። ሓደ ካብዞም ልምድታት፡ " " ብምባል፡ ኣብ ዝተኣከቡ ሰባት ዘለውዎ ክፍሊ፥ መተንፈሲ ክሳብ ዝሰኣን ማዕጾን መስኮትን ክፍልታት ምዕጻው'ዩ።

🤔ነዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ ሓደ ደሃይ ክገብር ኢለ ዝደወልክሉ ብቀረባ ዝፈልጦ ሓወይ ካብ ዘውገዓኒ ዕላል መሰረት ብምግባር እዩ፡፡

🔺እዚ ዝብለኩም ሓወይ ድምጹ ባህ ስለዘይበለኒ እንታይ ደኣ ድቃስ ዲካ ዝይጸገብካ ል፡ ወይስ ተጸሊኡካ ኢለ ምስሓተትክዎ…
🔴ተዓቢሰ እምበር፡ ሰዓል እንዲያ ሒዛትኒ ጆሲ ሓወይ
🔺ጸላኢካ፡ እሞ ደሓን'ዶ ኮይንካ ሕጂ
🔴ደሓን እየ፡ ህጂስ ዳርጋ እናገደፈትኒ እያ
🔺በል ደሓን እንተኮይንካስ ኣጸቢቑ ክሕሸካ እኩል ፈሳሲን መግብን ውሰድ ኢኻ'ሞ፥ ሓገዝ ኣብ ዝደለኻሉ ከኣ ሕተተኒ ኢኻ!
🔴ከምኡ ክገብር እየ ዝዓርከይ! ክገርመካ ኣቀዲመ ክገብሮ ዘለኒ ነገራት ሰኣን ምግባር እየ፡ እዛ ሰዓል ኣዳኪማትኒ ቐንያ፡
🔺እሂ እንታይ ዘይገበርካ ንስኻ ደኣ??

🔴ባዕለይ እየ በጃኻ ኢለካ፡ ኣብ ሓደ ውራይ ይኸደልካ፡ ኣብታ ጸባብ ገዛ ሓደ 10 እንኸውን ሰባት ብዘይ ንጹህ ኣየር ምሰምሰና እያ ሒዛትኒ!
🔺መስኮት ዘይብሉ ድዩ ኮይኑ እቲ ገዛ
🔴ኔርዎ እምበር፡ ግን ይከፈት ኢለ ከብቅዕ ብድምጺ ብልጫ ተሳዒረ ኣይከፈትናዮን፡፡ ኣብኡ ገብረ ዘስተንፈሶ ኣነ፡ ኣነ ተጠቂመ ዘውጻኽዎ ኣየር ከኣ፡ ን'ባህጉ ክህባ ኣምሲናዮ፡ በቃ ትንፋስ ክንቓየር ኣምሲና!!

……ሓደ ከምዛ ሕጂ ኮይነያ ዘለኹ ዝሓመመ ተዓብዒቡ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓውና እዩ ንከይክፈት ጎስጊሱ፡ ኩላ ኣዳም ድማ ምስኡ ንዘይምኽፋት ተሰማሚዓ፡
ንጽባሒቱ በቃ ምውቅውቅ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ናይ ኣፍንጫ እሞ ግደፎ ፡ ተሓሊበ!! ሶፍት ምጥቃም ናይ ቑጠባ ሽግር ከየምጽኣለይ ብምባል፡ ናብ መንዲል ሰጊረልካ ኣለኹ፡፡

……ይገርመካ እዩ ነቲ ንጹህ ብደገ ዝኣቱ ኣየር ሕማም ከየምጽኣልና ኢሎም ብውሽጢ ሕማም ሸሚቶምለይ። እንቋዕ እኮ ኣብ ሞንጎና ኮሮና ዝሓመመ ኣይነበረ በለኒ!

🔺ባህጉ እሞ ድሓን ድያ🤣
🔴😂😂ደሃያ ኣይገበርኩን፡ እምበር ንሳ ውን ከምዚ ከማይ ካብ ስራሕ ቦኺራ ትኸውን እያ
... ተዛሪብካ እንታይ ኣምጺኻ እንድዩ ነገሩ

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ ብዓለም ደረጃ ዝላብዑ ሕማማት ( ) ከም እኒ #ሳርስ፡ #ኤች1ኤን1፡ #መርሳ ከምኡ ድማ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ለብዒ ፡ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማማት እዮም።

ሓደን ቀንድን ንናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማምት ክላብዑ ዝገብሮም፡ ብቀሊሉ ዝመሓላለፉ ምኻኖም እዩ! እዚ ማለት ዘይ ከም ካልኦት ሕማማት ብመዓልታዊ እንገብሮም ንጥፈታት ከም…

✅ብምህንጣስ ይኹን ኣብ እንስዕለሉ እዋን፡ ኣብ ኣየር ብዝብተኑ ነጠብጣባት
✅በዞም ነጠብጣባት ዝተበከሉ ነገራት ብምትንኻፍ ንኣብነት ሽጎማኖ፡ ማኒላ ናይ ማዕጾ
✅ብምራቅ (ኣብ ግዜ ምስዓም፡ ብናይ ዝሓመመ ሰብ ዝተጠቀመሉ መስተዩ ምስታይ)
✅ሰላምታ፡ ምትሕቁቃፍ …ወዘተ ዘኣመሰሉ ኣገባባት ምምሕልላፍ ካብ ሰብ ብቀሊሉ ዝመሓላለፉ ሙኻኖም እዩ።

⚠️ስለዚ እኩባት ሰባት ኣብ ዕጽው ገዛ ምስዝህልዉ ንሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ብቀሊሉ ክመሓላለፉ ስለዝገብር፡ ብዝተኻእለና ንጹህ ኣየር ክኣቱ ብምግባር ንለብዒ እዞም ሕማማት ክንከላኸሎ ንኽእል።

☑️ካልእ፥ ወቅቱ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማማት ዝረኣየሉ እዋን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ እዋን ዘሎ ክብን ለጠቅን ሙቀት ኣከባቢ፡ ነቶም ጠንቂ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ዝኾኑ ቫይረሳት ከምኡ ድማ ባክተሪያ ምቹእ ናይ ምርባሕ ባይታ ስለዝፈጥር፡ እዝን ካልእን ነዞም ኣገባባት መመሓላለፊ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ብምፍላጥ ብቀሊሉ ክንኸላኸሎ ይከኣል፡፡

ስለዚ ልውውጥ ንጹህ ኣየር ምእንታን ክህሉ መሳኹቲ ክኽፈት ኣለዎ፡፡ እዚ ምስእንገብር ኣብቲ ገዛ ንዘሎ ዘይንጹህ ኣየር ብደገ ምስ ብደገ ዝኣቱ ንጹህ ኣየር ከምዝቀያየር ብምግባር፡ ንዞም ቀለልቲ ሕማማት ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ንከይንቓላዕ ይገብር። ካልኦት ኣሰከፍቲ ከም ቲቢ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሕማማት ስርዓተ ምስትፋስ ውን ክንኸላኸሎም የኽእለና!!

ናብዚ ፔጅ ብምግባር፡ ንዝቀርቡ ጥዕናዊ ጽሑፋት ብቀሊሉ ንክትከታተሉ ትኽእሉ!!

……ክሳብ ብኻልእ ትሕዝቶ ዝምለሰኩም ሰናይ ቕነ!!

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
17 መስከረም, 2021.

👋👋ሰላምኩም ይብዛሕ ተከታተልቲ  ፡ ሎሚ ውን ከምቲ ልሙድ፥ ንጥዕናዊ ኣፍልጦኹም ሓጋዚ እዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ ጽሑፍ ሒዘ ቀሪበ ኣለኹ። ሰናይ ንባብ! #ጀርባዶ (ብዝውቱር ኣበሃህላ  #ኦሞሮድዮ)...
03/09/2021

👋👋ሰላምኩም ይብዛሕ ተከታተልቲ ፡ ሎሚ ውን ከምቲ ልሙድ፥ ንጥዕናዊ ኣፍልጦኹም ሓጋዚ እዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ ጽሑፍ ሒዘ ቀሪበ ኣለኹ። ሰናይ ንባብ!

#ጀርባዶ (ብዝውቱር ኣበሃህላ #ኦሞሮድዮ)፥ ካብቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ገኒኖም ዝረኣዩ ሕማማት ሓደ'ዩ፡፡ እዚ ጥዕናዊ ጸገም እዚ ከከምደረጅኡ ( ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ደረጃ) ኣብ ሕሙማን ዘለዎ ኣሉታዊ ጸገማት ኣቅሊልካ ዝርኤ ኣይኮነን፡፡ ካብ ተራ ቃንዛ፡ ምስ ቃንዛ ተኣሳሲሮም ዝመጹ ምብዃር ካብ ስራሕን ማሕበራዊ ሂዎትን፡ ብርቱዕ መድመይቲን፡ ካልኦት ጸገማትን ከምጽእ ይኽእል!!

ጽቡቅ ነገሩ ኦሞሮድዮ፥ ጠንቅታቱ ብምልላይ ክንከላኸሎ እንኽእልን፡ ብ ኣብ ገዛ ብእንገብሮም ነገራት ክዕገስ ዝክእል ሕማም ሙካኑ እዩ፡፡ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ጹሑፈይ እምበኣር፡ ብቐንዱ ኣብ ዘበታዊ ኣገባባት ፍወሳ ሕማም ጀርባዶ ዘተኮረ'ዩ ኽከውን።

??

ብቅልል ዝበለ ኣገላልጻ ሕማም ጀርባዶ፥ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ከምኡ ውን፡ ኣብ ባጡቅ ዘለዉ እኩባት ቨይናት (ዘይጽሩይ ደም ዝስከሙ ሻንብቆታት ደም) ብዝተፈላለዩ ጠንቅታት ምስዝህሰዩ እሞ፡ ንነድሪ ምስ ዝቃልዑ ዘጋጥም ጥዕናዊ ጸገም እዩ። እዚ ማለት እዞም ቨይናት ናይ ምምጣጥ ባህሮም ከምዝጠፍእ ይኸውን እሞ፡ ከከም ደረጃ እቲ ሕማም ካብ ንቡር ቦትኦም ከምዝወጹ ይኾኑ!!

መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ሓደ ካብ ዕስራ ዓቅሚ ኣዳም ካብ ዝበጽሑ ኣመሪካውያን በዚ ሕማም ይሳቀዩ፡፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመን ኣብ ክልቲኡ ጾታን ዝርአ ሕማም እኮ እንተኮነ፡ ኣብ ደቀንስትዮን ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ሰባትን ግን ብብዝሒ የጋጥም። መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቅታት'ዚ ሕማም ንጹር እኮ እንተዘይኮነ (idiopathic)፡ ብዙሓት #ክንልውጦም ወይ ውን #ክስተኻኸሉ ዝኽእሉ ጠንቅታት ( Modifiable Risk Factors) ኣለዎ። ገለ ካብቶም ጠንቅታት ንምጥቃስ

❎ደገ ኣብ እንወጻሉ ግዜ ምጽዓር ወይ ኢሕ ምባል
❎ኣብ ዓይኒ ምድሪ ነዊሕ ምጽናሕ
❎ተዳጋጋሚ ድርቀት ወይ ውን ውጽኣት
❎ልዕሊ ንቡር ክብደት
❎ጥንሲ
❎ልዑል ክብደት ምስካም (ናይ ጉልበት ስራሕ )
❎ትሑት መጠን ጽሕጊ ምውሳድ
❎እኹል ማይ ዘይምውሳድ
❎ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘይምግባር ክጥቀሱ ይኽእሉ

ጀርባዶ ዘለዎም ሰባት፥ ነዞም ከም ጠንቅታት ተጠቂሶም ዘለዉ ብምውጋድ ደረጃ ሕማሞም ንኸይከይድ ክገብሩ ይኽእሉ፡፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፥ ጠንቅታቱ ምፍላጥ ነቶም ዝኮነ ምልክት እዚ ሕማም ዘይብሎም ሰባት ድማ ንኸይሓሙ ይገብር፡፡

#ሳዕቤናት....

ኦሞሮድዮ ንኽሕከም ቀሊልን፥ ሓደ ሓደ እዋን ድማ ባዕሉ ክገድፈናን ዝኽእል እኮ እንተኾነ፡ ሓደጋኛንነቱ ንምፍላጥ ናብ በዓል ሞያ ሕክምና ምኻድ ኣገዳስነቱ ልዑል ይኸውን። ምኽንያቱ ግቡእ ሕክምና ዘይተገብረሉ ሕማም ኦሞሮድዮ መድመይቲ ብምግባር፡ ሑሙማን ዝተቃልዑ ይኾኑ፡፡ #ምሕናቅ ( ) ሰራውር ደም ዝጠንቁ ብርቱዕ ቃንዛን ካልእ ሳዕቤናትን ከጋጥሞም ውን ይኽእል። ካልእ ምስ'ዚ ሕማም ተኣሳሲሩ ክመጽእ ዝኽእል ተወሳኺ ሳዕቤን እዩ።

ከምቲ ኣቀድም ኣቢሉ ዝተጠቅሰ፡ ሕክምናዊ ፍወሳ ሕማም ጀርባዶ ምስ ደረጃ ምዕባለ እቲ ሕማም፡ ካብ ተራ ፈውሲ ቃንዛ መድሃኒት ውሳድ ክሳብ መጥባሕቲ ክኸውን ይኽእል። ኩሎም እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ግና፡ ክሳብ ናብ ሓኪሞም ከይዶም ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝረኽቡ፡ ነዞም ትሕት ኢሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ብምጥቃም ቃንዝኦም ከዐግሱ ይኽእሉ።

💥ጽሬት ወይ ንጽህና ምሕላው፡
💥ኣብ ልብጥ ዝበለ ማይ ኮፍ ምባል፡ እዚ ብፍላይ ኣብ ሕማሞም ዝለዓለሉ ግዜ፡ ድሕሪ ዓይኒ ምድሪ ምጥቃም ኣብ ቅሩብ ጨው ዝተሓወሶ ዝለበጠ ማይ ኮፍ ምባል ቃንዛ ኣብ ምዕጋስ፡ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝኾነ ክኢላታት ጥዕና ይሰማምዑ፡፡ ብተወሳኺ ብዝሑል ማይ ጌርካ ምድራዝ ውን ይከኣል፡፡
💥ንኦሞሮድዮ ተባሂሎም ዝዳለዉ ዝልከዩ መድሃኒታት ምጥቃም፡ (ከምዚ ዓይነት ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኣብ ገዝኦም ክሕዝዎ ይግባእ)
💥ድርቀት ሓደ ካብቶም ንኦሞሮድዮ ዘጋድዱ ስለዝኾነ፡ ድርቀት ምስ ዝህሉ መለስለሲ ቀልቀል መድሃኒት ምውሳድ ይከኣል
💥ልዑል ትሕዝቶ ጽሕጊ ዘለዎም መግብታት ምውሳድ
መዓልታዊ እኩክ ማይ ምውሳድ

!! 🥼🥼🥼

✅ብርቱዕ መድመይቲ ኣብ ዝህልወሉ
✅ብርቱዕ ሃንደበታዊ ቃንዛ
✅ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ ዘበታዊ ኣገባባት ፍወሳ፡ ጌርካ ከተብቅዕ ለውጢ ምስዘይህሉ

!!
!!❤️

ዶ/ር ዮሴፍ የማነ
ሓፈሻዊ ሓኪም
3 መስከረም, 2021.

Address

Lebu
Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Dr. Yosief Yemane posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to Dr. Yosief Yemane:

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram