16/04/2026
ንጥዕና ዓይኒ ካብ ባህላዊ ሕክምና ንጠንቀቕ
ብሰንኪ ዝተጋገየን ጎዳእን ባህላዊ ሕክምና ዓይኒ (Traditional Eye Medicine) ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝበጽሕ ዘሎ ዓይነስውርነትን ሕዱር ረኽስን ንምንታይ እዩ?
ዘጋጥም ዘሎ ዓብዪ ሓደጋ
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ፡ ካብ ዓይኒ ባዕዲ ነገር (ንኣብነት ሑፃ ፣ ሓፂን መፂን፣ሓሰር ፣ እሾኽ፣ ግራጭ ወዘተ ) ነውጽእ ኢና ዝብሉ ከምኡ እውን ብባህላዊ መንገዲ ንጠብሕ ኢና ዝብሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ማለት እውን በቢከባቢኡ ከምዘለው ንዕዘብ ኣለና ።
እቲ ሓቂ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ፦
ሀ) ምትላል :
እቶም ኣውጺእናዮ ዝብልዎ ኣእማን ወይ ባዕዲ ነገራት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ኢዶም ወይ ኣፎም ወይድማ ኣብ ውሽጢ ጡጥ ይሓብኡዎ። እቲ ሓቂ ግን ዓይኒ ብተፈጥሮኣ ከምዚ ዝበለ መንገፍ ክትጻወር ኣይትኽእልን። ኣብ ዓይኒ መንገፍ እንተዝኣቱ እውን ብጣዕሚ ዘቀንዙ ሰለዝኮነ ግዜ ወሲድካ ናብ ሕክምና እትኸዶ ዘይኮነስ ድንገተኛ ሕክምና ከምዘድልዮ በዓሉ እቲ ቃንዛ እኹል እዩ።
ለ) ከቢድ ረኽሲ :
ብዘይፀረዩ ናውቲ (ምላጭ፣ ሳዕሪ፣ ስኒ፣ ኣጻብዕቲ ፣ መልሓስ፣ወረጦ፣ቅርቪ ፣መዓር፣ፀባ፣ካልኦት ዘይፍለጡ ካብ ዝተፈላለዩ ቆፅላ መፅሊ ዝስርሑ ብጥብታ መልክዕ ናብ ዓይኒ ዝግበሩን) ስለዝጥቀሙ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ንዓይኒ ዘዕውር ከቢድ ረኽሲ (Keratitis/Endophthalmitis) የስዕብ።
ሐ) ምቅዳድ ዓይኒ :
እቶም ሰባት ብዘይፍልጠት ኣብ ዝገብርዎ ባህላዊ መጥባሕቲ ነቲ ተኣፋፊ ክፋል ዓይኒ (መስትዋት) ስለዝጉዳእ ፈጺሙ ክምለስ ዘይኽእል ዓይነስውርነት የስዕብ ወይ ድማ ዝነበረ ሕማም ዓይኒ ብጣዕሚ ንኽጋደድ ይገብሮ።
እዚ ከም ኣብነት ናይ ዓይኒ ፀገም ኣልዒልና ኣብ ዕለታዊ ስራሕትና ብተደጋጋሚ ንረኽቦም ስለዝኮኑ ዳኣምበር ካብ ዓይኒ ወፃኢ ዘለዉ ባህላዊ ሕክምናታት ምግማት ኣይኸብድን።
ስለዚ ዝኮነ ይኩን ሕማም ዓይኒ እንተጋጥም ቀልጢፍና ናብ ዓይኒ ሕክምና ብምኻድ ዓይንና ካብ ምዕዋር ንከላኸል።
👉 ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና
ኣድራሻ
ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
✨ሕዉየት ሕክምና ገዛንገዛን CPD ስልጠና ማእኸልን ምምኻር ጥዕናን /Hwyet Home based care,CPD training & medical consultancy center . 🚨🚑 👩⚕️👨⚕️ 💉 🏥🧑⚕️
📍 መቐለ – ቀዳማይ ወያነ ፊትለፊት ዓብይ ንግዲ ኢትዮጵያ
+251 914 396 370 / +251914754590
ኣድራሻና፡ መቐለ ፊት ለፊት ዓብይ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ Expo ህንፃ 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 215
+251914396370
+251914754590 ብማሕበራዊ ሚድያታትና ይከታተሉና
Telegram Channel: https://t.me/hwyet1212
Telegram Group: https://t.me/hwyet12
page: https://web.facebook.com/profile.php?id=6155