Rimna Hospital

Rimna Hospital Rimna Hospital is a pioneer private hospital in Tigrai with multidisciplinary health care at its best

05/03/2026

ንነዊሕ እዋን ብናይ ማህፀን ሕበጥ (መገኛ) ትሳቐ ዝነበረት ተሓካሚት፤ ኣብ ሆስፒታልና ብስፔሻሊስት ሓኻይም ማህፀንን ጥንስን ድሕሪ ዝተገበረላ ምርመራ መጥባሕቲ ክግበረላ ተወሲኑ። ኣብ ሆስፒታልና ብስፔሻሊስት ሓኻይም ማህፀንን ጥንስን ብዘመናዊ መሳርሒ መጥባሕቲ 35 ሳ.ሜ ብ16 ሳ.ሜ ከባቢ 5 ኪሎ ዝምዘን ሕበጥ ብዕዉት መጥባሕቲ ተወጊዱላ ምስ ሙሉእ ጥዕና ናብ ገዝኣ ተፋንያ ኣላ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

🎧 24 ለካቲት ዓለምለኸ መዓልቲ ተኽእሎ ምስማዕ – ናይ ምስማዕ ተኽእሎና ንሓሉ 👂ሎሚ ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ተኽእሎ ምስማዕ ሆስፒታል ሪምና ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምፅምባር ብዛዕባ ኣገዳስነ...
03/03/2026

🎧 24 ለካቲት ዓለምለኸ መዓልቲ ተኽእሎ ምስማዕ – ናይ ምስማዕ ተኽእሎና ንሓሉ 👂

ሎሚ ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ተኽእሎ ምስማዕ ሆስፒታል ሪምና ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምፅምባር ብዛዕባ ኣገዳስነት ክንክን እዝንን ተኽእሎ ምስማዕን ንቕሓት ኣብ ምዕባይን ሙሉእ ኣገልግሎት ምርመራን ሕክምናን እዝኒ ኣብ ምሃብ ከምዝርከብን ከበስር ይፈቱ።

ምስማዕ ዘይምኽኣል ንዝኾነ ሰብ - ማለት እውን ህፃናት፣ ዓበይትን ኣረጋውያንን - ክፀሉ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን መብዛሕትኦም ጠንቅታት ምስማዕ ዘይምኽኣል ክንከላኸሎም ንኽእል ኢና። ብኣግኡ ምፍላጥን ግቡእ ክንክን ምግባርን ንተኽእሎ ምስማዕ ከመሓይሽ ይኽእል እዩ።

🔹 ንብርቱዕ ድምፂ ካብ ምቅላዕ ምቑጣብ
🔹 ኣብ እዝንና ዝተፈላለዩ ባዕዲ ኣቕሑ ዘይምእታው
🔹 ቃንዛ እዝኒ፣ ምፍሳስ ፈሳሲ ወይ ለውጢ ምስማዕ እንተጋጥመና ሕክምናዊ ሓገዝ ንሕተት
🔹 ስሩዕ ናይ ምስማዕ መርመራታት ምግባር፥ ናይ ምስማዕ ተኽእሎና ክሕልወልና ይገብር።.

ኣብ ሆስፒታል ሪምና፥ ውፉያት ሰብ ሞያ ሕክምና፤ ጥዕና ምስማዕ ንኽሕሎ፤ ፅርየቱ ዝሓለወ ብሉፅ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ፣ ኣፍንጫን ጎሮሮን (ENT) ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ክንክን እዝንን ተኽእሎ ምስማዕን ቀዳምነት ንኽወሃቦ ብሓባር ንስራሕ

ተኽእሎ ምስማዕ ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ እዩ

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

24/02/2026

ብንእሽተይ ነዃል ዓብዪ መጥባሕቲ ከይገበርካ ብዝካየድ ሕክምና ምውጋድ ፀፀር ኩላሊት (PCNL) ካብ ሓንቲ ንእስቲ ቁፅሩ ብዝሕ ዝበለ ፀፀር ኩላሊት ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሆስፒታልና ተኻይዱ ኣሎ። እዚ ብንእሽተይ ነዃል ዝግበር ሕክምና፤ ተሓካማይ ኣብ ሆስፒታል ዝህልዎ ፃንሒት ዝቕንስን ብቕልጡፍ ናይ ምሕዋይ ፀጋታት ዘለዎ ኮይኑ ሆስፒታልና ብስፔሻሊስት ሓኻይምን ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ተደጊፉ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ነበስር።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

07/02/2026

ሆስፒታልና ብዘተኣታተዎ ሓዱሽ ናይ ኢንዶስኮፒን ኮሎኖስኮፒን መሳርሕታት ዝግበር ናይ ውሽጣዊ ሕማማት ሕክምና ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ። እዞም ብጎሮሮ ሓራጅን ብመሃንቱስን ዝግበሩ ብካሜራ ዝተሓገዙ ምርመራታትን ሕክምናታትን ዓበይቲ ፀጋታት ዘለዎም እንትኸውን፥ ካብ ጎሮሮ ጀሚሩ፣ ጨጛራ፣ ላዕለዋይ ቐጢን መዓንጣ፣ ዓብዪ መዓንጣን፣ መሃንቱስ፣ ሕበጥ፣ ቁስለት ጨጓራን መዓንጣን፣ ካንሰር፣ መድመይቲ፣ ኪንታሮት፣ ፊስቱላ፣ መዓንጣ ፅበት ዝኣመሰሉ ሕማማት ብምንፃር ሓኻይም ትኽክለኛን ንፁርን ውሳነታት ክህቡ ብምግባር ተሓከምቲ ብቕልጡፍ ካብ ሕማሞም ክድሕኑ ዝሕግዝን መሳርሒ እዩ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

ብዛዕባ ስብሒ ፀላም ከብዲ ክንፈልጦም ዝግበአና ሓሙሽተ ቀንዲ ነጥብታት እነሆ፣1. ስብሒ ዘለዎ ፀላም ከብዲ ማለት ኣብ ፀላም ከብዲ ስብሒ ምትእኽኻብ ማለት እዩ::ስብሒ ፀላም ከብዲ ዝፍጠር ኣ...
27/01/2026

ብዛዕባ ስብሒ ፀላም ከብዲ ክንፈልጦም ዝግበአና ሓሙሽተ ቀንዲ ነጥብታት እነሆ፣

1. ስብሒ ዘለዎ ፀላም ከብዲ ማለት ኣብ ፀላም ከብዲ ስብሒ ምትእኽኻብ ማለት እዩ::
ስብሒ ፀላም ከብዲ ዝፍጠር ኣብ ዋህዮታት ፀላም ከብዲ ብዙሕ ስብሒ እንትእከብ እዩ (When more than 5% of the hepatocytes have fat, we call it fatty liver)። ብኣልኮላዊ መስተ ( Alcoholic liver disease) ወይ ድማ ብኣነባብራ, ኣመጋግባ, ሕዱር ሕማም (ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ዝፍጠር ስብሒ ፀላም ከብዲ – MASLD/NAFLD- Metabolic dysfunction associated steatotic liver disease) ክመጽእ ይኽእል።

2. መብዛሕትኡ ግዜ ብኣጋኡ ምልክታት የብሉን::
ብዙሓት ስብሒ ዘለዎ ፀላም ከብዲ(Fatty liver) ዘለዎም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ዝተስተኻኸለ ጥዕና ዘለዎም ኮይኑ ይስምዖም። እቲ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ስሩዕ መርመራ ኣልትራሳውንድ እዩ ዝረጋገፅ።

3. ምስ ኣነባብራ ብፅኑዕ ዝተኣሳሰር እዩ
ስብሒ= ኣልኮላዊ መስተ: ዘይተሰተኻኸለ ኣመጋግባ፣ ሕፅረት ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ሕማም ሽኮርን ልዑል መጠን ኮሌስትሮልን ቀንዲ መቃለዕቲን መንቀልን እቲ ሓደጋ እዮም።

4. እንተዘይተሓኪሙ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ
ስብሒ ፀላም ከብዲ ናብ ነድሪ(Alcoholic Hepatitis, Metabolic dysfunction associated steatohepatitis)፣ በሰላ (ፋይብሮሲስ-Fibrosis)፣ ሲሮሲስ(Cirrhosis)፣ ኢሉ እውን ውድቀት ፀላም ከብዲ(Liver failure) ወይ መንሽሮ ፀላም ከብዲ (Hepatocellular carcinoma)ከስዕብ ይኽእል።

5. ኣብ መጀመርታ ደረጃታት(MASLD stage, MASH, and early fibrosis can be reversible) ብሕክምና ዝድሕን እዩ:: ሙሉእ ብሙሉእ ክምለስ ይክእል እዩ::
ክብደት ሰብነት ምቕናስ፣ ዝተስተኻኸለ ኣመጋግባ፣ ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ ስብሒ ፀላም ከብዲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ስሩዕ ጥዕና ፀላም ከብዲ ክመለስን ከድሕንን ይኽእል እዩ።

ክድሕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ፋይብሮሲስን ሲሮሲስን ምስ በፅሐ፥ ክሳብ ምትካል ፀላም ከብዲ ዝበፅሕ ምዕቡል ሕክምናዊ ከይዲ እንተዘይተዋሂቡ፥ ናይ ምድሓን ዕድሉ ትሑት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቁልፊ መልእኽቲ፤
ስብሒ ፀላም ከብዲ ብበዝሒ ዝኽሰትን፣ ስቕ ዝበለን ሓደገኛን እዩ — ኮይኑ ግን ብኣግኡ ምፍላጥን ምቕያር ኣነባብራን ከቢድ ሕማም ፀላም ከብዲ ክከላኸለልና ይኽእል እዩ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

Polycystic o***y syndrome (ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም) PCOS ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም (PCOS) ኣብ ደቂ ኣንስትዮ  ብበዝሒ ዝተራእ ናይ ሆርሞን ምዝባዕ እዩ። እዚ ሕማም...
26/01/2026

Polycystic o***y syndrome (ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም) PCOS

ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም (PCOS) ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ዝተራእ ናይ ሆርሞን ምዝባዕ እዩ።

እዚ ሕማም ኣብ ኦቫሪ (እንቋቀሖ ማህደር) ዝፈጥር በዝሒ ዘለዎም ደቀቅቲ ፈሳሲ ዝሓዙ ፎሊክላት (follicles) ብምፍጣር ናይ ወርሓዊ ፅግያ ምዝባዕን ንምውላድ ችግር ምፍጣርን ይኽእል እዩ።

ምልክታት (Symptoms)

• ዘይመደበኛ ወርሓዊ ፅግያ
• ምውላድ ችግር
• ብዝተወሰነ መጠን ጸጉር ምብዛሕ (ኣብ ገፅ፣ ካልኦት ኣካላትን ደረት
• ፈፀጋ(acne)
• ክብደት ምውሳኽ
• ፀጉሪ ርእሲ ምብራሕ
ምኽንያታት
• ሚዛን ዘይሓለወ ሆርሞን (androgens ምብዛሕ)
• ኢንሱሊን ሬዚስታንስ
• ውርሻ (familial)

ከመይ ይመርመር?

• ታሪኽ ሕክምናን ምርመራ ኣካልን
• ምርመራ ደም (ሆርሞናት)
• ኣልትራሳውንድ ኦቫሪ

ሕክምና

• ምምሕያሽ ምግቢን (ክብደት ምቕናስ)
• መድሃኒታት ንወርሓዊ ምፍሳስ ምስትክካል
• መድሃኒታት ንምውላድ (ኣብ ዝድለየሉ እዋን)
• መድሃኒታት ንፈፀጋን ምብዛሕ ፀጉርንbrah
• ውጽኢታት እንተ ዘይተሕክም
• ዓይነት 2 ስኳር
• ምውሳኽ ፀቅጢ ደም
• ካንሰር ማህፀን (endometrium)

BY Dr Yibrah B. Zelelow

ዓለምለኸ ወርሒ ምፍጣር ግንዛበ ካንሰር በሪ ማህፀን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሆስፒታልና ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዝኾኑ ዶ/ር Kesatea Gebrewahd ዝተፅሓፈ ኣብ ካንሰር በሪ ...
21/01/2026

ዓለምለኸ ወርሒ ምፍጣር ግንዛበ ካንሰር በሪ ማህፀን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሆስፒታልና ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዝኾኑ ዶ/ር Kesatea Gebrewahd ዝተፅሓፈ ኣብ ካንሰር በሪ ማህፀን ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ተኣንገዱ።

ደሓን እየ እናበልኪ ደሓን እንተዘይኮንኪ ኸ❓

ሸለል ክበሃል ዘይግበኦ ጉዳይ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን‼️

🚩 መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ብመንፅር ውፅኢት ዕውቱነት ዝግበረሉ ሕክምና ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ምርኣይ ይከአል፡

🟢 ቅድመ-መንሽሮ(ቅድመ-ካንሰር)፡ ኣብዚ ደረጃ እንተሃሊኺ ሕማምኪ ሙሉእ ብሙሉእ ብመጥባሕቲ ይድሕን! ድሕሪ መጥባሕቲ እትወስድዮ ተወሳኺ መድሓኒት ድማ የለን።

🟡 ድሩት ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን (Early stage cervical cancer)፡ እዚ ብሕክምና ናይ መጀመርያ ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ወይ ድማ ደረጃ 1 ንዝኾና ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ዘለዋ ኣዴታት መጥባሕቲ ዘድልየን እንትኸውን ካብዚ ብተውሳኺ ድማ ናይ መንሽሮ ጨረር ሕክምና ከድልየን ይኽእል።

🔴 ዝደፍአ ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን (Advanced stage cervical cancer)፡ እዚ ብሕክምና ደረጃ 2፥ 3ን 4ን ዝውክል እንትኸውን ደረጃ እቲ ሕማም ዝተስፋሕፍሐ ብምዃኑ መጥባሕቲ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዚ ደረጃ ንዘለዋ ኣዴታት ዝግበር ሕክምና ድጋፍ ምሃብ (palliative care) እንተዘይኮይኑ ካብቲ ሕማም ክድሕና ኣይኽእላን። እቲ ዘሐዝን መብዛሕቲአን ተሓከምትና አብዚ ደረጃ እዚ ዝመፅኣ ምዃነን እዩ።

ስለዚ ንመንሽሮ ክሳድ ማህፀን ግዜን ዕድልን ክትህብዮ የብልክን ማለት እዩ።

💥ምልክታት መንሽሮ ክሳድ ማህፀን እንታይ እንታይ እዮም?

📌ቅድመ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ዘለወን ኣዴታት ዘርእይኦ ብዙሕ ምልክት ዘይክህሉ ይኽእል።ዝተወሰና ኣዴታት ናይ ማህፀን ፈሳሲ በዚሑኒ ኢለን ክመፅኣ ይኽእላ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ካብ 21 ክሳብ 65 ዓመት ዘለዋ ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ በቢሰለስተ ዓመት ስሩዕ ናይ ቅድመ ካንሰር ምርመራ ክገብራ ዝምከር።

📌እቲ መንሽሮ እናዓበየን እናተዘርግሐን ምስ ከደ (ድሩትን ዝደፍአን ደረጃ ምስበፅሐ) ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ። እቶም ሓፈሻዊ ምልክታት ድማ፡
📍ዘይንቡር ምፍሳስ ደም ማህፀን (ብፍላይ ድማ ድሕሪ ፆታዊ ርክብ)
📍ዘይልሙድ ሕሱም ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ማህፀን
📍ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብን ድሕሪ ርክብን ዝለዓል ቃንዛ ማህፀን
📍ቃንዛ ወይ ዘይምቾት ሽምጢ (ሑቐ)
📌 ክተስተውዕልዮ ዘለኪ ጉዳይ ግን አሎ። እዞም ምልክታት ብመንሽሮ ክሳድ ማህፀን ጥራሕ ዝመፁ ኣይኮኑን።
📌 እዞም ምልክታት ከም ረኽሲ ማህፀን፥ መንገኛ(ማዮማ) ማህፀንን ካልኦትን ፀገማት ዘመልክቱ ክኾኑ እውን ይኽእሉ።
📌 እቲ ክትገብርዮ ዘለኪ ኣገዳሲ ተግባር ውሽጥኺ እናተረበሸ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ዘይኮነስ፡ ዘጠራጥረኪ ኩነታት ምስዝህሉ ብቕልጡፍ ናብ ዝምልከቶ ሕክምና ብምኻድ ሙሉእ ምርመራ ምግባር እዩ!

💥 መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ኣብ ምድንጓይ እዩ ዝስስን።
💥 ስለዚ ደንጒኺ፡ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ብዕድልክን ብዕድል ስድራኽን ንኽፃወት ዕድል ኣይትሃብዮ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

እንኳዕ ንበዓለ ጥምቀት ብሰላም ኣብፀሐኩም!ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!ሆስፒታል ሪምናኣድራሻ፥ መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com...
19/01/2026

እንኳዕ ንበዓለ ጥምቀት ብሰላም ኣብፀሐኩም!

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

ሎመዓንቲ 10 ጥሪ ኣብ ሆስፒታልና ዝተሳለጠ ወፍሪ ልገሳ ደም ብምስሊ እነሆ። ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም ልዑል ምስጋናና ክንገልፅ ንፈቱ። ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓል...
18/01/2026

ሎመዓንቲ 10 ጥሪ ኣብ ሆስፒታልና ዝተሳለጠ ወፍሪ ልገሳ ደም ብምስሊ እነሆ። ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም ልዑል ምስጋናና ክንገልፅ ንፈቱ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

ሰምበት 10 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ሪምና ኣብ ዝግበር ወፍሪ ልገሳ ደም ስለዝካየድ ደም ብምልጋስ ህይወት ክነድሕን ፃውዒት ነቕርብ። ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!ሆ...
16/01/2026

ሰምበት 10 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ሪምና ኣብ ዝግበር ወፍሪ ልገሳ ደም ስለዝካየድ ደም ብምልጋስ ህይወት ክነድሕን ፃውዒት ነቕርብ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

ዓለምለኸ ወርሒ ምፍጣር ግንዛበ ካንሰር በሪ ማህፀን ምኽንያት ብምግባር ብዶ/ር ይብራህ ዘለለው ኣብ ሆስፒታልና  -ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን  ዝተፅሓፈ ግንዛበ ኣብ ምልክታት ካንሰር ...
15/01/2026

ዓለምለኸ ወርሒ ምፍጣር ግንዛበ ካንሰር በሪ ማህፀን ምኽንያት ብምግባር ብዶ/ር ይብራህ ዘለለው ኣብ ሆስፒታልና -ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዝተፅሓፈ ግንዛበ ኣብ ምልክታት ካንሰር በሪ ማህፅፀን (Cervical Cancer) እነሆ።

ምልክታት ካንሰር በሪ ማህፀን (Cervical Cancer)

1. ቀዳማይ ደረጃ (Early stage)
ኣብ መጀመርታ ደረጃ ካንሰር በሪ ማህፀን ብዙሕ ግዜ ምልክት የብሉን። በዚ ምክንያት ድማ መደበኛ Pap smear / VIA ምርመራ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ።

2. ዝተለመዱ ምልክታት (Common symptoms)
🔴 ዘይልሙድ ደም ምፍሳስ
ደም ምፍሳስ ድሕሪ ፆታዊ ርክብ
ደም ምፍሳስ ካብ ወርሓዊ ፅግያ ወፃኢ
ደም ምፍሳስ ድሕሪ ምውዳእ ወርሓዊ ፅግያ (post-menopausal bleeding)
🔴 ፅዑቕ ወይ ብዙሕ ዘይልሙድ ፈሳሲ ማህፀን (ጨና ዘለዎ ደም ዝተሓወሰ)
🔴 ሕማም (ቃንዛ) ሕማም ኣብ ታሕተዋይ ከብዲ (pelvic pain)
🔴ሕማም ኣብ ግዜ ፆታዊ ርክብ

3. ዝተስፋሕፈሐ ካንሰር (Advanced stage)

ሕማም ዓንዲ ሑቀ ወይ እግሪ
ሽንቲ ኣብ ምሻን ሕማም (ቃንዛ)
ደም ኣብ ሽንቲ
ድኻም
ክብደት ምቕናስ (weight loss)
ሽውሃት ምቕናስ (loss of appetite)
ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ማህፀን

5. መከላኸሊ
መደበኛ Pap smear / VIA HPV ክታበት
ሽጋራ ምትካኽ ምቁራፅ
ፋይቶታዊ ፆታዊ ርክብ ዘይምግባር

ካንሰር በሪ ማህፀን ኣብ ትሑት ደረጃ እንተተፈሊጡ ብቐሊሉ ክሕከም ይኽእል እዩ። ስለዚ መርመራ ቅድመ ካንሰር እቲ ብቀሊሉ ዝግበር መከላኸሊ እዩ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

07/01/2026

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ክኾነልኩም ንምነ!

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Rimna Hospital posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to Rimna Hospital:

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category