21/01/2026
ዓለምለኸ ወርሒ ምፍጣር ግንዛበ ካንሰር በሪ ማህፀን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሆስፒታልና ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዝኾኑ ዶ/ር Kesatea Gebrewahd ዝተፅሓፈ ኣብ ካንሰር በሪ ማህፀን ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ተኣንገዱ።
ደሓን እየ እናበልኪ ደሓን እንተዘይኮንኪ ኸ❓
ሸለል ክበሃል ዘይግበኦ ጉዳይ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን‼️
🚩 መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ብመንፅር ውፅኢት ዕውቱነት ዝግበረሉ ሕክምና ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ምርኣይ ይከአል፡
🟢 ቅድመ-መንሽሮ(ቅድመ-ካንሰር)፡ ኣብዚ ደረጃ እንተሃሊኺ ሕማምኪ ሙሉእ ብሙሉእ ብመጥባሕቲ ይድሕን! ድሕሪ መጥባሕቲ እትወስድዮ ተወሳኺ መድሓኒት ድማ የለን።
🟡 ድሩት ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን (Early stage cervical cancer)፡ እዚ ብሕክምና ናይ መጀመርያ ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ወይ ድማ ደረጃ 1 ንዝኾና ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ዘለዋ ኣዴታት መጥባሕቲ ዘድልየን እንትኸውን ካብዚ ብተውሳኺ ድማ ናይ መንሽሮ ጨረር ሕክምና ከድልየን ይኽእል።
🔴 ዝደፍአ ደረጃ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን (Advanced stage cervical cancer)፡ እዚ ብሕክምና ደረጃ 2፥ 3ን 4ን ዝውክል እንትኸውን ደረጃ እቲ ሕማም ዝተስፋሕፍሐ ብምዃኑ መጥባሕቲ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዚ ደረጃ ንዘለዋ ኣዴታት ዝግበር ሕክምና ድጋፍ ምሃብ (palliative care) እንተዘይኮይኑ ካብቲ ሕማም ክድሕና ኣይኽእላን። እቲ ዘሐዝን መብዛሕቲአን ተሓከምትና አብዚ ደረጃ እዚ ዝመፅኣ ምዃነን እዩ።
ስለዚ ንመንሽሮ ክሳድ ማህፀን ግዜን ዕድልን ክትህብዮ የብልክን ማለት እዩ።
💥ምልክታት መንሽሮ ክሳድ ማህፀን እንታይ እንታይ እዮም?
📌ቅድመ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ዘለወን ኣዴታት ዘርእይኦ ብዙሕ ምልክት ዘይክህሉ ይኽእል።ዝተወሰና ኣዴታት ናይ ማህፀን ፈሳሲ በዚሑኒ ኢለን ክመፅኣ ይኽእላ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ካብ 21 ክሳብ 65 ዓመት ዘለዋ ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ በቢሰለስተ ዓመት ስሩዕ ናይ ቅድመ ካንሰር ምርመራ ክገብራ ዝምከር።
📌እቲ መንሽሮ እናዓበየን እናተዘርግሐን ምስ ከደ (ድሩትን ዝደፍአን ደረጃ ምስበፅሐ) ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ። እቶም ሓፈሻዊ ምልክታት ድማ፡
📍ዘይንቡር ምፍሳስ ደም ማህፀን (ብፍላይ ድማ ድሕሪ ፆታዊ ርክብ)
📍ዘይልሙድ ሕሱም ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ማህፀን
📍ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብን ድሕሪ ርክብን ዝለዓል ቃንዛ ማህፀን
📍ቃንዛ ወይ ዘይምቾት ሽምጢ (ሑቐ)
📌 ክተስተውዕልዮ ዘለኪ ጉዳይ ግን አሎ። እዞም ምልክታት ብመንሽሮ ክሳድ ማህፀን ጥራሕ ዝመፁ ኣይኮኑን።
📌 እዞም ምልክታት ከም ረኽሲ ማህፀን፥ መንገኛ(ማዮማ) ማህፀንን ካልኦትን ፀገማት ዘመልክቱ ክኾኑ እውን ይኽእሉ።
📌 እቲ ክትገብርዮ ዘለኪ ኣገዳሲ ተግባር ውሽጥኺ እናተረበሸ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ዘይኮነስ፡ ዘጠራጥረኪ ኩነታት ምስዝህሉ ብቕልጡፍ ናብ ዝምልከቶ ሕክምና ብምኻድ ሙሉእ ምርመራ ምግባር እዩ!
💥 መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ኣብ ምድንጓይ እዩ ዝስስን።
💥 ስለዚ ደንጒኺ፡ መንሽሮ ክሳድ ማህፀን ብዕድልክን ብዕድል ስድራኽን ንኽፃወት ዕድል ኣይትሃብዮ።
ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና
ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ
ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ info@rimnahospitals.com
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/
ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021