ጥዕና ቅደሚ ኩሉ

  • Home
  • ጥዕና ቅደሚ ኩሉ

ጥዕና ቅደሚ ኩሉ This page is concerned about health and give information about health for the followers.

It gives advice what should you do if you are sick before you go to the doctor.

https://www.facebook.com/1368915856558114/posts/3177710439011971/
26/08/2020

https://www.facebook.com/1368915856558114/posts/3177710439011971/

ካብ 1 ሓምለ 2020 ዝጅምር ሓድሽ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ ሕጊ
ነፍስ-ወከፍ ሰብ ዕድሚኡ 18 ወይ ድማ ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾነ ኣብ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ክምዝገብ እዩ። ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ድሕሪ ምሟትኩም ክፍሊ ኣካላትኩምን ህዋሳት ኣካላትኩምን ንኻልኦት ዝሓመሙ ሰባት ክትልግሱ ትደልዩ ዲኹም ወይስ ኣይትደልዩን ትመልኡ። ክፍሊ ኣካላት ክንብል ከለና ንኣብነት ኩሊት ወይ ሳንቡእ ማለትና እዩ። ህዋሳት ኣካላትና ክንብል ከለና ድማ ንኣብነት ቆርበት ወይ ሰራውር ደም ማለትና እዩ። እንተደኣ ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ኮይኑ ባዕልኹም ኢኹም ትውስኑ።
ምርጫኹም ክትመልኡ ኣድላዪ እዩ
ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ድዩ ወይስ የብልኩምን ክትመልኡ ኣድላዪ እዩ። እንተደኣ ወላሓንቲ ዘይመሊእኩም ኣብቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብኩም ክፍሊ ኣካላትኩም ንኻልኦት ንኽልገስ ተቓውሞ ከምዘይብልኩም እዩ ክጸሓፍ። ስለ’ዚ ብድሕሪ ሙማትኩም ክፍሊ ኣካላትኩም ወይ ድማ ህዋሳት ኣካላትኩም ንኻልኦት ዝሓመሙ ሰባት ክወሃቡ ይኽእሉ እዮም።
ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ድዩ ወይስ የብልኩምን ብዝምልከት ምስ መጻምድትኹም ወይ ድማ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ምዝርራብ እውን ኣድላዪ እዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ኣርባዕተ ምርጫታት እዮም ዘለዉ፥
- እወ፣ ክፍሊ ኣካላተይ ክልግስ ይደልይ እየ
- ኣይፋል፣ ክፍሊ ኣካላተይ ክልግስ ኣይደልን እየ
- ብድሕሪ ሙማተይ ዝውስነለይ ሓደ ሰብ ክጥቁም እየ
- ብድሕሪ ሙማተይ መጻምድተይ ወይ ስድራቤተይ ክውስኑለይ እዮም
ምርጫኻ ምምዝጋብ
ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ምርጫኹም ብኽልተ ኣገባብ ክትመልኡ ትኽእሉ ኢኹም፥
DigiD ኣለኩም ዶ? እምበኣር ‘ናይ DigiD ኮድኩም ተጠቒምኩም እተዉ’። እዚ እቲ ዝቐልጠፈ ኣገባብ እዩ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እውን መምልኢ ቅጺ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ምርጫኹም ኩሉ ግዜ ክትቅይርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ እንደገና ናይ DigiD ኮድ ተጠቒምኩም ብምእታው ወይ መምልኢ ቅጺ መሊእኩም ብጶስጣ ብምልኣኽ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ናይ ክፍሊ ኣካላት ለጋሲ ምዃን ኣድላዪ ውሳኔ እዩ። እቲ ሓበሬታ ጽቡቕ ጌርኩም ኣንብብዎ ብተወሳኺ ድማ ንምርጫኹም ዝምልከት ምስ መጻምድትኹም ወይ ድማ ምስ ኣባላት ስድራቤትኩም ተዘራረብሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብዞም ዝስዕቡ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻታት ተወከሱ፥ www.hoewerktorgaandonatie.nl, www.donorregister.nl ከምኡ’ውን www.transplantatiestichting.nl

Bron: Ministerie van VWS

De Nederlandse vertaling staat onder de Tigrinya tekst

https://www.facebook.com/1368915856558114/posts/2841931069256578/
21/04/2020

https://www.facebook.com/1368915856558114/posts/2841931069256578/

መግለጺ ብመራኸቢ ብዙሃን 21 ሚያዝያ 2020 ሰዓት 19.00 ብመራኸቢ ብዙሃን መግለጺኡ ኣሎ።
Persconferentie 21 april 2020
እዚ ዝስዕብ ድማ ኣጠቓሊሉ ይርከብ፡
• 1.ትምህርቲ፣ መባእታዊ ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ብኸፊል ይኹን ምሉእ ብምሉእ ክኽፈቱ ይኽእሉ እዮም።ዕለት ምጅማር ናይ ኩሉ ቤት ትምህርትታትን መውዓሊ ህጻናትን 11 ግንቦት እዩ። ህጻናት ፍርቂ ናይ ትምህርቲ ግዜ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ፣ ንኣብነት ፍርቆም ኣብ ሓደ መዓልቲ እንተኸይዶም እቶም ካልኣይ ፍርቂ ድማ ኣብ ዝስዕብ መዓልቲ ይኸዱ። መማህራንን ስታፍን ክምርመሩ ይኽእሉ። ኣብ ተነቃፊ ጉጅለ ዝምደቡ መማህራን ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣየድልዮምን እዩ። ተመሃሮን መማህራንን ምልክታት (ጥርዓናት) ምስ ዝህልዎም ኣብ ገዛ ይጸንሑ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ብምሕላው ካብ 1 ሰነ ደጊሙ ክጅምር ይኽእል።
• 2. ስፓርት፣ ብውልቂ ስፓርት ምክያድ ይከኣል እዩ። ጉያ ምጉያይ፣ ብሽክለታ ምዝዋር ወይ ብእግርኻ ዘወር ምባል ይከኣል እዩ፣እዚ ድማ ንኹሉ ጽቡቕ እዩ። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት ዕድሚኦም ክሳብ 12 ዓመት ዝኾነ ካብ 28 ሚያዝያ ጀሚሮም ብጋንታ ብምዃን ኣብ ደገ ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ፣እንተኾነ ግን ወግዓዊ ዝኾነ ውድድራት ክገብሩ ኣይክእሉን። ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ነኣሽቱ መናእሰይ ድማ ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ብምሕላው ኣብ ደገ ብምዃን ንሓድሕዶም ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ። ኣብ ኩሉ ዝስረሓሉ ድማ፣ወለዲ ኣብ ሕንጻጽ መስመር ክቐርቡ ኣይግባእን፣ ኣብ ቤትካ ነብስኻ ምሕጻብ፣ ሓፈሻዊ ርድኢትካ ምጥቃም።
• 3. ኣጋጣሚታት(ምርኢታት)፣ ኩሎም ምርኢታት ክሳብ 1 መስከረም ኣይክካየዱን እዮም። ፈስቲቫላትን ናይ ክፍሊት ጸወታ ኩዕሶ እግርን ኣይክካየዱንዮም።
• 4. መምርሒታት፣ ንግዚኡ ምትንኻፍ ዘለዎ ስራሕ (ንኣብነት፣ እንዳ ማሳጅ፣እንዳ ቀምቃማይ፣ ናይ ጽፍሪ ክኢላታት) ኣይተፈቕደን ዘሎ።
• 5. እቶም መሰረታውያን መምርሒታት ከምዝነበርዎ ይቕጽሉ፣ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ። ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤትካ ብምዃን ስራሕ። ስፓርት ክትሰርሕ ወይ ድማ ኣስቤዛ ክትገዝእ ምስ እትደልይ ንበይንኻ ብምዃን ግበሮ። የእዳውካ ደጋጊምካ ተሓጸብ። ኣብ ኩርናዕ ኢድካ ሓንጥስ ወይ ድማ ስዓል። ሰዓል ምስ ትሓምም ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ።
እዞም መምርሒታት ብርግጽ ክሳብ 20 ግንቦት ክጸንሑ እዮም። ቅድሚ 20 ግንቦት ኣብ ዘሎ ሰሙን
ውሳነ ዝውሰደሉ ሓድሽ እዋን ክመጽእ እዩ።
ንነብስኻን ኣብ ነንሕድሕድካን ጥንቃቐ ግበር።De Nederlandse vertaling staat in de eerste reactie.

ኣገዳሲ ምኽርታት ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብትግርኛ።
15/04/2020

ኣገዳሲ ምኽርታት ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብትግርኛ።

ቀጺሉ እምበኣር ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ተወሳኺ ሓበሬታምንባብ ይከኣል።ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ብቑጽሪ ቴለፎን፡0800-1351 ምድዋል ይከኣል

05/04/2020

Address


3011

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጥዕና ቅደሚ ኩሉ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to ጥዕና ቅደሚ ኩሉ:

  • Want your practice to be the top-listed Clinic?

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram