26/08/2020
https://www.facebook.com/1368915856558114/posts/3177710439011971/
ካብ 1 ሓምለ 2020 ዝጅምር ሓድሽ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ ሕጊ
ነፍስ-ወከፍ ሰብ ዕድሚኡ 18 ወይ ድማ ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾነ ኣብ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ክምዝገብ እዩ። ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ድሕሪ ምሟትኩም ክፍሊ ኣካላትኩምን ህዋሳት ኣካላትኩምን ንኻልኦት ዝሓመሙ ሰባት ክትልግሱ ትደልዩ ዲኹም ወይስ ኣይትደልዩን ትመልኡ። ክፍሊ ኣካላት ክንብል ከለና ንኣብነት ኩሊት ወይ ሳንቡእ ማለትና እዩ። ህዋሳት ኣካላትና ክንብል ከለና ድማ ንኣብነት ቆርበት ወይ ሰራውር ደም ማለትና እዩ። እንተደኣ ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ኮይኑ ባዕልኹም ኢኹም ትውስኑ።
ምርጫኹም ክትመልኡ ኣድላዪ እዩ
ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ድዩ ወይስ የብልኩምን ክትመልኡ ኣድላዪ እዩ። እንተደኣ ወላሓንቲ ዘይመሊእኩም ኣብቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብኩም ክፍሊ ኣካላትኩም ንኻልኦት ንኽልገስ ተቓውሞ ከምዘይብልኩም እዩ ክጸሓፍ። ስለ’ዚ ብድሕሪ ሙማትኩም ክፍሊ ኣካላትኩም ወይ ድማ ህዋሳት ኣካላትኩም ንኻልኦት ዝሓመሙ ሰባት ክወሃቡ ይኽእሉ እዮም።
ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ድዩ ወይስ የብልኩምን ብዝምልከት ምስ መጻምድትኹም ወይ ድማ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ምዝርራብ እውን ኣድላዪ እዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ኣርባዕተ ምርጫታት እዮም ዘለዉ፥
- እወ፣ ክፍሊ ኣካላተይ ክልግስ ይደልይ እየ
- ኣይፋል፣ ክፍሊ ኣካላተይ ክልግስ ኣይደልን እየ
- ብድሕሪ ሙማተይ ዝውስነለይ ሓደ ሰብ ክጥቁም እየ
- ብድሕሪ ሙማተይ መጻምድተይ ወይ ስድራቤተይ ክውስኑለይ እዮም
ምርጫኻ ምምዝጋብ
ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ምርጫኹም ብኽልተ ኣገባብ ክትመልኡ ትኽእሉ ኢኹም፥
DigiD ኣለኩም ዶ? እምበኣር ‘ናይ DigiD ኮድኩም ተጠቒምኩም እተዉ’። እዚ እቲ ዝቐልጠፈ ኣገባብ እዩ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እውን መምልኢ ቅጺ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።
ምርጫኹም ኩሉ ግዜ ክትቅይርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ እንደገና ናይ DigiD ኮድ ተጠቒምኩም ብምእታው ወይ መምልኢ ቅጺ መሊእኩም ብጶስጣ ብምልኣኽ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ናይ ክፍሊ ኣካላት ለጋሲ ምዃን ኣድላዪ ውሳኔ እዩ። እቲ ሓበሬታ ጽቡቕ ጌርኩም ኣንብብዎ ብተወሳኺ ድማ ንምርጫኹም ዝምልከት ምስ መጻምድትኹም ወይ ድማ ምስ ኣባላት ስድራቤትኩም ተዘራረብሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብዞም ዝስዕቡ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻታት ተወከሱ፥ www.hoewerktorgaandonatie.nl, www.donorregister.nl ከምኡ’ውን www.transplantatiestichting.nl
Bron: Ministerie van VWS
De Nederlandse vertaling staat onder de Tigrinya tekst