RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና

  • Home
  • Uganda
  • Kampala
  • RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና

RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና, Medical and health, Ggaba Road, Kampala.

Rahwa Medical Services is a medical facility that provides medical, pediatric, gynaecology, obstetrics, surgical, laboratory, and imaging services, closely working with other medical specialities in Kampala.

⚠️ ልሙዳት ጠንቅታት ረኽሲ እዝኒ፤* ቀንዲ ጠንቂ ረኽሲ እዝኒ ባክተርያ፡ ቫይረስ፡ ፋንጋስን ኮይኑ* ሰዓልን ወይ ጉንፋዕን ኣብ እዝኒ ፈሳሲ ከም ዝእከብ ክገብር ይኽእል* ኣለርጂ ወይ ሓሳስያ...
08/04/2026

⚠️ ልሙዳት ጠንቅታት ረኽሲ እዝኒ፤
* ቀንዲ ጠንቂ ረኽሲ እዝኒ ባክተርያ፡ ቫይረስ፡ ፋንጋስን ኮይኑ
* ሰዓልን ወይ ጉንፋዕን ኣብ እዝኒ ፈሳሲ ከም ዝእከብ ክገብር ይኽእል
* ኣለርጂ ወይ ሓሳስያ
* ረኽሲ ሳይነስ
* ማይ ኣብ እዝኒ ምስ ዘይወጽእ (ብፍላይ ድሕሪ ምሕንባስ) ​​.
* ድኹም ጽሬት ወይ ዝኾነ ነገር ኣብ እዝኒ ምእታው

ክትከታተሎም ዘለና ምልክታት፤
* ቃንዛ እዝኒ ወይ ጸቕጢ
* ምጥፋእ ምስማዕ ወይ ምህሳስ ድምጺ
* ፈሳሲ ካብ እዝኒ ምፍሳስ
* ረስኒ ወይ ሕማም ርእሲ
* ጽርውርው ምባልን ወይ ሚዛን ዘይምሕላውን

ጥዕና ኣእዛና ዝበለጸ ክንክን ይግብኦ! ዝኾነ ቃንዛ ምስ ዝስምዓና ወይ ረኽሲ እዝኒ ምስ ዝህሉ ንዝበለጸ ደረጃ ኣገልግሎት ሕክምና እዝኒ ሎሚ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከሱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

+256 704 631388 / +256 709 873147 / +256 707 072447

ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

ብሕማቕ ጨና ኣፍ ንሽገር ዶ?ሃሊቶሲስ እንታይ እዩ?  ጠንቅታትን ምልክታትን ፍወሳንሃሊቶሲስ ንቀጻሊ ሕማቕ ጨና ትንፋስን ኣፍን ዝገልጽ ሕክምናዊ ቃል’ዩ። ሕማቕ ጨና ኣፍ ወይ ሃሊቶሲስ ምልክት...
02/04/2026

ብሕማቕ ጨና ኣፍ ንሽገር ዶ?
ሃሊቶሲስ እንታይ እዩ? ጠንቅታትን ምልክታትን ፍወሳን
ሃሊቶሲስ ንቀጻሊ ሕማቕ ጨና ትንፋስን ኣፍን ዝገልጽ ሕክምናዊ ቃል’ዩ። ሕማቕ ጨና ኣፍ ወይ ሃሊቶሲስ ምልክት ናይ መሰረታዊ ጸገም ኣብ ኣፍ ወይ ዉን ናይ ጥዕና ጸገም ክኸውን ይኽእል።
🔍 ልሙዳት ጠንቅታት ሃሊቶሲስ
* ኣፍና ብግቡእ ዘይምጽራይ
* ሕማም ግርጻን ወይ ዝሓሰኸ ስኒ
* ደረቕ ኣፍ
* ኣብ መልሓስ ባክተርያ ምስ ዝእከብ
* ሽጋራ ምትካኽ ወይ ትንባኾ ምጥቃም
* ዝተወሰኑ መግብታት ከም ሽጉርትን ጻዕዳ ሽጉርቲን ምብላዕ
* ጥዕናዊ ኩነታት ከም ረኽሲ ሳይነስ፡ ጸገማት ኣብ ምሕቃቕ መግቢን

⚠️ ክንከታተሎም ዝግባእ ምልክታት
* ቀጻሊ ሕማቕ ጨና ኣፍ
* ምድራቅ ወይ ልግብ ልግብ ዝብል ስምዒት ኣብ ኣፍ
* ኣብ መልሓስ ጻዕዳ ሽፋን
* ቀጻሊ ሕማቕ ጣዕሚ ኣብ ኣፍ

🛡️ ሕክምናን ምክልኻልን
• ኣፍና ብግቡእ ምጽራይ፣ ምብራሽን ፍሎስን ምጥቃም (ስንን መልሓስን ምጽራይ)
* ኣፍ ንኸይደርቕ ማይ ምስታይ
* ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን መሕጸቢ ኣፍ (Mouthwash) ምጥቃም
* ሓፈሻዊ ጥዕና ኣፍና ምፍላጥን ምርመራን ጽሬትን ቀጻሊ ናብ ሓኪም ስኒ ምኻድ
* መሰረታዊ ናይ ስኒ ወይ ግርጻን ጽገማት ብእዋኑ ምሕካም

ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
+256 704 631388 / +256 709 873147 / +256 707 072447

🦠 ሕማም ሄፓታይተስ እንታይ እዩ?ሄፓታይተስ ነድሪ ጸላም ከብዲ ዘስዕብ ሕማም ኮይኑ ብኣግኡ እንተዘይተሓኪሙ ንጥዕናና ብኸቢድ ክጸልው ዝኽእል እዩ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሄፓታይተስ  ኣለዉ (A...
25/03/2026

🦠 ሕማም ሄፓታይተስ እንታይ እዩ?
ሄፓታይተስ ነድሪ ጸላም ከብዲ ዘስዕብ ሕማም ኮይኑ ብኣግኡ እንተዘይተሓኪሙ ንጥዕናና ብኸቢድ ክጸልው ዝኽእል እዩ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሄፓታይተስ ኣለዉ (A, B, C, D, E)፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ድማ ይመሓላለፉ።
🔹 ሄፓታይተስ A/E – መብዛሕትኡ ግዜ ብዝተበከለ መግብን ማይን ይመሓላለፍ
🔹 ሄፓታይተስ B – ብዝተለኽፈ ደም፣ ኣብ ጾታዊ ርክብ መከላኸሊ ዘይምጥቃም፣ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ ኣደ ናብ ህጻን ይመሓላለፍ
🔹 ሄፓታይተስ C –ብዝተለኽፈ መርፍእ ወይ በሊሕ ነገራት ምክፋል ይመሓለለፍ
🔹 ሄፓታይተስ D – ኣብ ሄፓታይተስ B ዘለዎም ሰባት ጥራይ ይርአ ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ይመሓላለፍ

⚠️ ልሙዳት ምልክታት ሕማም ሄፓታይተስ
• ድኻም
• ረስኒ ወይ ተምላስ
• ምጉዳል ሸውሃት ምግቢ
• ቃንዛ ከብዲ
• ዓይንን ቆርበትን ብጫ ምስ ዝኾውን (ጁዋንዲስ)
• ምጽላም ሽንቲ
ኣብ ገለ እዋናት ሕማም ሄፓታይተስ ምልክት ስለዘየርኢ፡ ዝያዳ ሓደገኛ ይገብሮ።

🚨 ብኣግኡ ምስ ዘይንሕከሞ ናብ ከቢድ ጸገማት ጸላም ከብዲ፡ ሲሮሲስ፡ ወይ ውን መንሽሮ ጸላም ከብዲ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።
✅ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል፤
• ጽሬት ምሕላው
• ጽሩይ ዘይኮነ መግብን ማይን ምውጋድ
• ብዝተኻእለ መጠን መርመራ ምግባርን ክታበት ምውሳድን
• ፍኑው ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም
• በላሕቲ ነገራት ምስ ካልኦት ዘይምክፋል
• ክታበት ናይ ሄፓታይተስ ብምውሳድ
• ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ንከይመሓላለፍ ሕክምናዊ ምክትታል ምግብር

• ምልክታት ምስ ንርኢ ብእዋኑ ሕክምናዊ ክንክን ምድላይ

💙ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ

🩸 ኣገዳስነት ምፍላጥ ዓይነት ደምና ዓይነት ደምካ ምፍላጥ ንውሑስ ሕክምናዊ ክንክን ወሳኒ’ዩ። ኣብ ህጹጽ ኩነታት፡ እዚ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ንህይወት ዘድሕን ውሳነታት ንምትግባር ክሕግ...
18/03/2026

🩸 ኣገዳስነት ምፍላጥ ዓይነት ደምና
ዓይነት ደምካ ምፍላጥ ንውሑስ ሕክምናዊ ክንክን ወሳኒ’ዩ። ኣብ ህጹጽ ኩነታት፡ እዚ ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ንህይወት ዘድሕን ውሳነታት ንምትግባር ክሕግዝ ይኽእል።
🔍 ክንደይ ዓይነታት ደም ኣለዉ?
* ብጉጅለ ABO: A, B, AB, Oን Rh Factor: ኣወንታዊ (+) ወይ ኣሉታዊ (–) RH factor ዝቆመ እዩ።

👉 8 ፍሉጣት ዓይነታት ደም ድማ ኣለዉ፣ A+, A–, B+, B–, AB+, AB–, O+, O–

⚠️ ዓይነት ደምካ ምፍላጥ ንምንታይ የገድስ:
🚑 ህጹጽ ክንክን ንምርካብ፥ ህጹጽ ሕምናዊ ክንክን ምስ ዘድሊ ብቕልጡፍ ዝሰማማዕ ደም ከም እትረክብ የረጋግጽ።
🤰 ምሕላው ጥዕና ኣደን ዕሸልን ኣብ ግዜ ጥንሲ
🏥 ንቕሓት ሓፈሻዊ ጥዕና

✅ ክንገብሮም ዝግባእና፤
* ዓይነት ደምና ንምፍላጥ ናብ ትካል ጥዕና መርመራ ምግባር
* ኣብ ሞባይልና መዝገብ ምሓዝ
* ቅኑዕ ሓበሬታ ንወሃብቲ ክንክን ጥዕና ምክፋል
* ደም ምልጋስ ኣብ ግምት ምእታው — ብፍላይ ብቡዙሕ ዘይርከብ ዓይነት ደም እንተሃልዩና

💙ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ

ቀዳሞት ምልክታት ሕማም ታይፎይድረስኒ ታይፎይድ ብሳልሞኔላ ታይፊ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ ከቢድ ረኽሲ እዩ። ጽሬት ኣብ ዘይብሉ  ከባቢታት ብዝተበከለ መግብን ማይን ድማ ይመሓላለፍ። ብቅልጡፍ...
10/03/2026

ቀዳሞት ምልክታት ሕማም ታይፎይድ
ረስኒ ታይፎይድ ብሳልሞኔላ ታይፊ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ ከቢድ ረኽሲ እዩ። ጽሬት ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ብዝተበከለ መግብን ማይን ድማ ይመሓላለፍ። ብቅልጡፍ ነቶም ቀዳሞት ምልክታት ብምልላይ፡ ቀልጢፍካ ሕክምና ክትረክብን ንዝመጽእ ጸገማት ክትከላኸልን ክሕግዝ ይኽእል።
⚠️ ቀዳሞት ምልክታታ ሕማም ታይፎይድ ፤
* ቀጻሊ ልዑል ረስኒ ኣካላት
* ሕማም ርእስን ሓፈሻዊ ድኻምን
* ምጉዳል ሸውሃት ምግቢ
* ቃንዛ ከብዲ
* ድርቀት ወይ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ውጽኣት
* ዕግርግር ምባል ወይ ተምላስ
* ቃንዛ ኣካላት
* ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ቆርበትና ደቂቅ ቅይሕ ዝበሉ ነጠብጣባት ክርአ ይኽእል

🛡️ ሕማም ታይፎይድ ብኸመይ ንከላኸሎ
✅ ጽሩይ ማይ ምስታይ
✅ ኣእዳው ብስሩዕ ብሳምና ምሕጻብ
✅ ብግቡእ ዝተበሰለ መግቢ ምብላዕ
✅ ካብ ፅሬት ዘይብሉ ቦታ መግቢ ዘይምብላዕ
🚩 መዓስ ሕክምናዊ ክንክን የድሊ፥
ምልክታት ከም ቃንዛ ከስዐ ዘለዎ ቀጻሊ ረስኒ እንተሃልዩ መርመራን ሕክምና ንምግባር ናብ ቀረባ ትካል ክንክን ጥዕና ምብጻሕ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

+256 704 631388 / +256 709 873147 / +256 707 072447

🤰 ኣመጋግባ ኣደ ኣብ ግዜ ጥንሲ: ኣብ ኣማጋግባና ከነማልኦም ዝግበኣናኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣካላት ኣደ ተወሳኺ ምክንኻን የድልዮ — እዚ ድማ ካብ እንብለዖ መግቢ 🥗 ይጅምር!ገለ ካብቶም ኣብ ኣ...
25/02/2026

🤰 ኣመጋግባ ኣደ ኣብ ግዜ ጥንሲ: ኣብ ኣማጋግባና ከነማልኦም ዝግበኣና

ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣካላት ኣደ ተወሳኺ ምክንኻን የድልዮ — እዚ ድማ ካብ እንብለዖ መግቢ 🥗 ይጅምር!
ገለ ካብቶም ኣብ ኣማጋግባና ከነማልኦም ዝግበኣና፤
* ብሓጺን ዝሃብተመ መግቢ ንምርካብ ኣሕምልቲ፣ ጥረታት፣ ስጋ ምብላዕ
* ምንጪ ካልሲየም ከም ጸባ፣ ርግኦ፣ ብሮኮሊ ምውሳድ
* ፕሮቲን ንምርካብ እንቋቑሖ፣ ደርሆ፣ ዝበሰለ ዓሳ ምውሳድ
* ካብ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ቪታሚንን ፋይበርን ክንረክብ ንኽእል
* እኹል ማይ ምስታይ

🚫 ከነወገዶም ዘለና፥
* ጥረ ዓሳ
* ፓስተራይዝድ ዘይኮነ ጸባ
* ከምኡውን ዝተመስረሐ ወይ ዕሹግ መግቢ

💡 ሓይሊ ንኽህልወን ንዕብየት ውላድ ንምድጋፍን ኣብ መዓልቲ ንኣሽቱን ሚዛናዊን መግቢ ምብላዕ።

መርመራን ዝተፈላለየ ሞያዊ ሕክምናን ምኽርን ንጥዕናኹምን ጥዕና ደቅኹምን ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447



RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና

🩸 ኣገዳስነት ምፍላጥ ዓይነት ድም - Rh Factor ኣብ ግዜ ጥንሲ  ዓይነት ደም ብኽልተ ክፋላት ዝቖመ እዩ፡ ABO group,  Rh factor (ኣወታዊ ወይ ኣሉታዊ)🩺 ቀንዲ ዓይነታት ደ...
18/02/2026

🩸 ኣገዳስነት ምፍላጥ ዓይነት ድም - Rh Factor ኣብ ግዜ ጥንሲ
ዓይነት ደም ብኽልተ ክፋላት ዝቖመ እዩ፡ ABO group, Rh factor (ኣወታዊ ወይ ኣሉታዊ)
🩺 ቀንዲ ዓይነታት ደም፥
🅰️ ዓይነት A – ናይ A ኣንቲጀን ኣለዎ
🅱️ ዓይነት B – B ኣንቲጀን ኣለዎ
🆎 ዓይነት AB – ክልቲኡ Aን Bን ኣንቲጀን ኣለዎ
🅾️ ዓይነት O – A ወይ B ኣንቲጀን የብሉን
ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ደም Rh-positive (+) ወይ Rh-negative (–) ክኾኑ ይኽእሉ።

⚠️ ስለምንታይ ኣብ ግዜ ጥንሲ Rh factor ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኾውን፤
ሓንቲ ኣደ Rh-negative እቲ ህጻን ድማ Rh-positive እንተኾይኑ፡ ኣካላት ኣደ ንቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ናይቲ ህጻን ከጥቅዑ ዝኽእሉ ጸረ-ተሃዋስያን ክፈጥር ይኽእል። እዚ ብኣግኡ እንተዘይተመሓዲሩ ዋሕዲ ደም፡ ጃውንዲስ ወይ ካልእ ከቢድ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።
🚨 ብኣግኡ ምስ ዘይፍለጥ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት፤
* ኣብ ህጻን ከቢድ ዋሕዲ ደም
* ካብ ዓቀን ንላዕሊ ዝዓበዩ ኣካላት
* ኣብ ከቢድ ኩነታት ድኻም ልቢ ከስዕብ ይኽእል
* ዘይምቋም ጥንሲ
* ዝለዓለ ሓደጋታት ኣብ ናይ መጻኢ ጥንሲ
* ሞት ውን ከስዕብ ይኽእል

✅ ኣገዳስነት መርመራ ድም፤
* ንክመጽእ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ዝተወልዱ ህጻናት ንምክልኻል ይሕግዝ
* ኣብ እዋኑ ንምክልኻልን ግቡእ ሕክምና ንምግባር የኽእል
* ውሑስ ሕርሲ ይድግፍ

🌸 ኣዴታት ክፈልጥኦ ዝግባእ፤
✔️ ቅድመ ሕርሲ ናይ ደም መርመራ ብምግባር ብኣግኡ ዓይነት ደምካ ምፍላጥ
✔️ ኣብ ቅድመ ሕርሲ ዝግበር ስሩዕ መርመራታት ምስታፍ
✔️ Rh-negative (RH- ኣሉታ) እንተኾይኪ ምኽሪ ካብ ወሃቢ ክንክን ጥዕናኻ ምውካስን ምክትታልን

💙ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

ሕማም ሽኮር ሕበጥ ግርጻን ከስዕብ ይኽእል’ዶ🔍 ልዑል መጠን ሽኮር ደም ንናይ ምክልኻል  ዓቕሚ ነብስና የዳኽሞ እዚ ድማ ጎዳእቲ ባክተርያ ኣብ ኣፍ ክዓብዩን ክባዝሑን የኽእሎም፡ ናብ ነድሪ ግ...
11/02/2026

ሕማም ሽኮር ሕበጥ ግርጻን ከስዕብ ይኽእል’ዶ
🔍 ልዑል መጠን ሽኮር ደም ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ነብስና የዳኽሞ እዚ ድማ ጎዳእቲ ባክተርያ ኣብ ኣፍ ክዓብዩን ክባዝሑን የኽእሎም፡ ናብ ነድሪ ግርጻንን ረኽስን ከስዕብ ክኣ ይኽእል።
⚠️ ምስ ሕማም ሽኮር ዝርኣዩ ልሙዳት ጸገማት ግርጻን
* ዝሓበጠን፡ ዝቀይሕን ግርጻን
* ኣብ ብራሽ ንገብረሉ ወይ ፍሎስ ደም ምፍሳስ
* ሕማቕ ጨና ኣፍ
* ንላዕሊ ዝስብሰብ ግርጻን
* ዝንቀሳቀስ ወይ ዘይድልዱል ኣስናን

✅ ንምክልኻል እንታይ ክትገብር ይከኣል፤
* ሽኮር ደም ምቁጽጻር
* መዓልታዊ ብራሽን ፍሎስን ብምጥቃም ጽሬት ኣፍና ምሕላው
* ብቐጻሊ ናብ ሓኪም ስኒ ብምኻድ ገምጋም ጥዕና ኣስናን ምውሳድ
* እኹል ማይ ምስታይ
* ዝኾነ ለውጢ ኣብ ግርጻንና እንተተዓዚብና ብኣግኡ ክንክን ምድላይ

መርመራን ዝተፈላለየ ሞያዊ ሕክምናን ምኽርን ንጥዕናኹምን ጥዕና ደቅኹምን ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና!

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ማእከል ጥዕና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

🩺 ኩሉ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ኣገደስቲ መርመራታት ጥዕናብዙሓት ከበድቲ ጥዕናዊ ጸገማት ንነዊሕ ግዜ ከይተፈልጡ ብምኻድ ምስ ግዜ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ይምጽኡ። ስሩዕ መርመራታት ብምግባር ደረጃ ...
03/02/2026

🩺 ኩሉ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ኣገደስቲ መርመራታት ጥዕና
ብዙሓት ከበድቲ ጥዕናዊ ጸገማት ንነዊሕ ግዜ ከይተፈልጡ ብምኻድ ምስ ግዜ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ይምጽኡ። ስሩዕ መርመራታት ብምግባር ደረጃ ጥዕናና ንምፍላጥን፣ ጸገማት ኣብ ዝህልው ብኣግኡ ንምፍላጥን፣ ምሕካም ውን ዝቐለለ ከም ዝኾውን ይገብር ።
✅ ቀንዲ ናይ ጥዕና መርመራታት ሓፈሻዊ ጥዕና ንምፍልእጥ፤
* መርመራ ጸቕጢ ደም
* መርመራ ሽኮር ደም
* መርመራ ኮሌስትሮል
* ምሉእ መርመራ ደም (CBC) – ዋሕዲ ደምን ረኽስን ይምርምር
* መርመራታት ኩሊትን ጸላም ከብድን – ኣገደስቲ ጥዕና ኣካላት ይከታተል
* ሚዛን ስውነትን BMI – ጥዑይ ክብደት ንምግምጋም ይሕግዝ
* ሓፈሻዊ መርመራ ስኒ
* መርመራ ዓይኒ
⏰ መዓስ መርመራ ክንገብር ይግባእ፤
* እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ
* ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ታሪኽ ስድራቤት ወይ ናይ ሓደጋ ረቛሒታት ምስ ዝህሉው ብዝተኻእለ መጠን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ዓመት መርመራ ክንገብር ይግባእ።

💡ምልክታት ንኽትርኢ ኣይትጸበ!

መርመራን ዝተፈላለየ ሞያዊ ሕክምናን ምኽርን ንጥዕናኹምን ጥዕና ደቅኹምን ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

ብሬስ ስኒ ኣብ ንገብረሉ እዋን ጥዕና ስኒ ብኸመይ ንከላኸል ስንና ኣብ ንኣስረሉ እዋን ክንገብሮ ዝግባእ፥•  መግቢ ምስ በላዕና ብልስሉስ ብራሽ ተጠቒምካ ኣስናንና ምሕጻብ* ኣብ ዙርያ መእሰሪ...
27/01/2026

ብሬስ ስኒ ኣብ ንገብረሉ እዋን ጥዕና ስኒ ብኸመይ ንከላኸል
ስንና ኣብ ንኣስረሉ እዋን ክንገብሮ ዝግባእ፥
• መግቢ ምስ በላዕና ብልስሉስ ብራሽ ተጠቒምካ ኣስናንና ምሕጻብ
* ኣብ ዙርያ መእሰሪን ገመዳትን ብጥንቃቐ ምጽራይ
* ኣብ መንጎ ስኒ ክኣቱ ዝኽእል ብራሽ ወይ ፍሎስ ምጥቃም
* ብፍሎራይድ ዘለዎ መሕጸቢ ስኒ ምሕጻብ
* ድሕሪ መግቢ ዝኮነ ዝተቀርቀረ መግቢ ንምሕጻብ እኹል ማይ ምስታይ

🚫 ክንወስዶም ዘይብልና መግብታት፤
* ተጣባቒ መግቢ (ማስቲካ፡ ኤላኽ ወዘተ)
* ተሪር መግቢ (በረድ፡ ዕንባባ ወዘተ.)
* ሽኮር ዘለዎ ምቁር መግብታት ሕብስቲ መስተታትን

🏥 ኣገዳስነት ስሩዕ መርመራ ስኒ፤
ምብጻሕ ናብ ሕክምና ስኒ ካብ ምሕሳኽ ስኒ፡ ሕማም ግርጻን ንምክልኻልን ዝተሰብረ መእሰሪ ስኒ ብኣግኡ ምዕራይን ይሕግዝ።

ኣብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ክንክን ዝተፈላለዩ መርመራን ክንክን ስኒ ንገብር። ሞያዊ መምርሕን ምሕደራን ጥዕናኹም ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙
✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

🤰🩸 ሕማም ሽኮር  ኣብ እዋን ጥንሲሕማም ሽኮር ኣብ  እዋን ጥንሲ ክመጽእን ዝኽእል ሕማም ኮይኑ መብዛሕትኡ እዋን ድሕሪ ሕርሲ ዝጠፍእን ዋላ እንተ ኾነ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ንምውሓስ ብኣግኡ ...
26/01/2026

🤰🩸 ሕማም ሽኮር ኣብ እዋን ጥንሲ
ሕማም ሽኮር ኣብ እዋን ጥንሲ ክመጽእን ዝኽእል ሕማም ኮይኑ መብዛሕትኡ እዋን ድሕሪ ሕርሲ ዝጠፍእን ዋላ እንተ ኾነ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ንምውሓስ ብኣግኡ ግቡእ ክንክንን ምሕደራን ንጥዑይ ጉዕዞ ጥንስን ሕርስን ከነውሕስ ንኽእል። ገለ ነቲ ሓደጋታት ክውስኹ ዝኽእሉ ነጥብታት፥
* ኣብ ስድራቤት ታሪኽ ሕማም ሽኮር ምስዝህሉው
* ቅድሚ ጥንሲ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምህላው
* ቅድሚ ሕጂ ኣብ እዋን ጥንሲ ሕማም ሽኮር ምስዝነብር
* ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም (PCOS)
* ጥንሲ ድሕሪ 35 ዓመት ዕድመ

⚠️ ክህልዉ ዝኽእሉ ምልክታት፤
* መብዛሕትኡ ግዜ ርኡይ ምልክታት የለን
* ምውሳኽ ጽምኢ ወይ ሽንቲ
* ድኻም

🩺ቁጽጽር ዘይብሉ ሕማም ሽኮር ኣብ እዋን ጥንሲ ንኣደን ህጻንን ንልዕሊ ክብደት ሕርሲ፡ ቅድሚ ግዜ ሕርስን ኣብ መጻኢ ንሓደጋ Type 2 (ዓይነት 2) ሕማም ሽኮርን ክውስኽ ይኽእል።

✅ ብኸመይ ነመሓድሮ
* ስሩዕ ምክትታል ሽኮር ደም ምግባር
* ኣመጋግባና ምጥንቃቅን ስሩዕን ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብን
* ውሑስ ምንቅስቓስ ኣካላትን ምግባር
* ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታል ጥንሲ ምግባር

ኣብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ክንክን ዝተፈላለዩ መርመራን ክንክን ጥዕና ንገብር። ሞያዊ መምርሕን ምሕደራን ጥዕናኹም ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙
✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!
📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !
📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

⚠️ ወቕዒ ልቢ ዋሕዚ ደም ናብ ልቢ ምስ ዝዕጾ የጋጥም፡፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ህይወት ክድሕን ይኽእል።🔎 ልሙዳት ኩነታት ን ወቕዒ ልቢ ዘቃልዑ፤🩸 ልዑል መጠን ኮሌስትሮል (ኣብ ሻምብቆታ...
19/01/2026

⚠️ ወቕዒ ልቢ ዋሕዚ ደም ናብ ልቢ ምስ ዝዕጾ የጋጥም፡፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ህይወት ክድሕን ይኽእል።
🔎 ልሙዳት ኩነታት ን ወቕዒ ልቢ ዘቃልዑ፤
🩸 ልዑል መጠን ኮሌስትሮል (ኣብ ሻምብቆታት ደም ምእካብ ስብሒ)
⚡ ልዑል ጸቕጢ ደም
🚬 ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ
⚖️ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታር
🍔 ምኽሳዕ
🍔 ኣብ ኣመጋግባና ልዑል መጠን ስብሒ፡ ሽኮር፡ ጨው ምጥቃም
🧬 ኣብ ስድራቤት ታሪኽ ሕማም ልቢ
😰 ሕዱር ጸቕጢ ኣእምሮ

⚠️ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት:
💢 ቃንዛ ኣብ ኣፍልቢ፡ ጸቕጢ፡ ወይ ምጭባጥ
😮 ሕጽረት ትንፋስ
🌀 ጽርውርው ምባል፡ ረሃጽ፡ ወይ ዕግርገር
🖐️ ቃንዛ ናብ ቅልጽም፡ ክሳድ፡ መንጋጋ፡ ወይ ሕቖ ዝዝርጋሕ
💤 ልዑል ስምዒት ድኻም

💡 ወቕዒ ልቢ ብኸመይ ንከላኸሎ፤
✅ ኣመጋግባና ምሕዋላው (ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ቅብኣት ዘይብሉ ፕሮቲን ወዘተ) ምምጋብ
✅ ብስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታር
✅ ሽጋራ ምትካኽ ምቁራጽን ኣልኮላዊ መስተ ምግዳብ
✅ ክብደት ሰብነትና ምሕላው
✅ ጸቕጢ ደም፡ ኮለስትሮል፡ ሽኮር ደም ንምክትታል ስሩዕ መርመራ ጥዕና ምግባር

ኣብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ክንክን ዝተፈላለዩ መርመራን ክንክን ጥዕና ንገብር። ሞያዊ መምርሕን ምሕደራን ጥዕናኹም ንምርካብ ሎሚ ብጽሑና! 💙

✅ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና ብምምጻእ ወይ ኣብዘን ዝስዕባ ቁ.ቴ ደዉሉልና!

📍ቦታ ኣገልግሎትና ኣብ ቡንጋ (ቡንጋ ሸል ሓሊፍካ ፊት ሳሳ ኮምፕሌክስ ጎደና king Ceasor Rd.) ኢዩ !

📞 +256 704 631388 / 📞 +256 709 873147 / 📞 +256 707 072447

Address

Ggaba Road
Kampala

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when RAHWA Medical Services ራህዋ ኣገልግሎት ሕክምና posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share